ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ግዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ፈደራላዊ መንግስቲን ኣብ ሓያሎ ጉዳያት ሓባራዊ መርገፂ ኣለዎም” ሌ/ጀ ታደሰ ወረደ


ፈደራላዊ መንግስቲ “ኣከራኻሪ” ኢሉ ኣብ ዝፅውዖም ከባቢታት ድሕሪ ኲናት ዝተመስረቱ ምምሕዳራት ምፍራስ፣ ተመዛበልቲ ምምላስን ምጥያሽ ሓዱሽ ምምሕዳርን ክሳብ ሰነ 30 ክዛዘም ኣብ ስምምዕነት ከም ዝተበፅሐ፣ ምክትል ፕረዚደንት ጊዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሌተናንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ገሊፆም።

XS
SM
MD
LG