ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብዛዕባና

ድምጺ ኣሜሪካ እቲ ዝዓበየ ናይ ኣሜሪካ ዓለምለኸ ትካል ዜና ኮይኑ፡ ፈነውኡ ነቶም ውሱን ወይ’ውን ፍጹም ነጻ ፕረስ ዘይብሎም ከባቢታት ብ45 ቋንቋታት የመሓላልፍ። ኣብ 1942 ዓ.ም ዝተመስረተ ድምጺ ኣሜሪካ፡ ሰፊሕን ነጻን ሸፈነ ይህብ፡ ንሰማዕቲ ድማ ነታ ዘላ ሓቂ ይነግር።ድምጺ ኣሜሪካ አካል ናይ ኣሜሪካ ኤጄንሲ ዓለምለኻዊ ሜድያ ኮይኑ፡ ምሉእ ብምሉእ ብኣሜሪካውያን ከፈልቲ ግብሪ ዝምወል’ዩ።

ተልእኾን ዘይሻራዊነትን ድምጺ ኣሜሪካ፡ ንጋዜጠኛታት ካብ ጽልዋ፡ ጸቕጢ፡ ሕነ ምፍዳይ መንግስታትን ፖለቲከኛታትን ዝከላከል ፡ውሕስነት ዝህቦ ሕጊ ኣለዎ።

ኣብ 1976 ፕረዚደንት ጀራልድ ፎርድ ክታሙ ዘንበረሉ ቻርተር ድምጺ ኣሜሪካ ከምዚ ዝስዕብ ይብል፡-

1. ድምጺ ኣሜሪካ ቀጻልነት ዘለዎ ተኣማንነትን ኣብ ጭብጢ ዝሰረተን ምንጪ ዜና ኮይኑ ከገልግል’ዩ። ዜና ድምጺ ኣሜሪካ ቅኑዕ፡ ውድዓዊን ምሉእነት ዝሓዘን ይኸውን።

2. ድምጺ ኣሜሪካ ንሓደ ክፋል ሕብረተሰብ ዘይኮነ ንመላእ ኣሜሪካ ይውክል፡ ስለዝኾነ ድማ ንኣገዳስነት ኣሜሪካዊ ስነ ሓሳብን ትካላትን ዘበራትዕ ሚዛናዊነቱ ዝሓለወ ኩሉ ሓቆፍ ሓበሬታ የቕርብ።

3. ድምጺ ኣሜሪካ፡ ንፖሊሲታት ኣሜሪካ ብንጹርን ብክውንነትን የቕርብ፡ ብተወሳኺ ነዚ ፖሊሲ ዝምልከት ዘተን ርእይቶታትን ብሓላፍነት የተአናግድ።

ኣብ 1994 ኮንግረስ ኣሜሪካ ፡ ዓንቀጽ ሕጊ ዓለምለኻዊ ፈነወ ኣሜሪካ ኣጽዲቑ። እዚ ሕጊ`ዚ፡ ስራሓት ጋዜጠኛታት ድምጺ ኣሜሪካ፡ ንባህልን ማሕበራዊ ብዙሕነትን ኣሜሪካ ዘንጸባርቕ፡ ሓቀኛ፡ቅኑዕ፡ ውድዓዊ፡ ኩሉ ሓቆፍ ሚዛናዊነት ዝሓለወን ኮይኑ ክቐርብ ይሓትት።

ኣብ 2016፡ ባይቶ ኣሜሪካ፡ እንደገና ኣብ ዓንቀጽ-ሕጊ ሃገራዊ ምክልኻል`ውን ብምርግጋጽ፡ ምጽብጻብን ምዝርጋሕን ዜና ነጻን ውድዓዊን ኮይኑ ክቕጽል ኣለዎ ይብል ።

ጋዜጠኛታት ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ኣብ መትከላት ነጻ ፕረስ ንዓለም ኣብነት ኮይኖም ክቐርቡ ብዕቱብ ይሰርሑ።

ድምጺ ኣሜሪካ

ናጻ ፕረስ የግድስ’ዩ

ብዛዕባና

ቋንቋ ትግርኛ ኣብ ኤርትራን ኣብ ኢትዮጵያን ይዝረብ። ኣስታት 6 ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ዘለዋ ሃገረ ኤርትራ ቋንቋ ትግርኛ ሃገራዊ ቋንቋ እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ኣብታ 11 ክልላትን ክልተ ምምሕዳራትን ኣብ ዝሓዘት ክልል ምምሕዳር ትግራይ ብቐንዱ ይዝረብ። ቋንቋ ትግርኛ ሓደ ካብ ጥንታዊ ቋንቋታት ምዃኑ ድማ ይፍለጥ።

ፈነወ ቋንቋ ትግርኛ ድምጺ ኣመሪካ ዕለታዊ ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ን 30 ደቒቕ ካብ ዋሺንግተን ዲሲ ይመሓላለፍ። ፈነወ ትግርኛ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ ሰዓት 10 ክሳብ 10:30 ምሸት ወይድማ ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ድማ ካብ ሰዓት 4 ምሸት ክሳብ 4:30 ይመሓላለፍ።

ሰሙናዊ መደባት ፈነወ ትግርኛ

ፈነወ ትግርኛ ብናይ መዓልታዊ ዓበይቲ ዜናታት ይጅምር ። ካብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝረኽቦም ቃለ-መጠይቓትን ሰሙናዊ መደባትን ድማ የስዕብ።

ትሕዝቶ ሰሙናዊ መደባት

ፈነወ ትግርኛ ብናይ`ቲ መዓልቲ ዓበይቲ ዜናታት ይጅምር ። ካብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝረኽቦም ቃለ-መጠይቓትን ሰሙናዊ መደባትን ድማ የስዕብ።

ሰኑይ፡ ሳይንስን ተክኖሎጂን /ሕርሻ

ሰሉስ፡ ኤርትራውያን ኣብ ኣመሪካ/ኣመሪካና

ረቡዕ፡ ህዝቢ ምስ ህዝቢ

ሓሙስ፡ መንእሰያት/ ጥዕና

ዓርቢ፡ ቂሔ-ጽልሚ /ፍሉይ መደብ/

ዝርዝር ማዕበላት ፈነወ ሬድዮ ድምጺ ኣመሪካ

12040 ኪሎ ሀርዝ 25 ሜትር ባንድ

12080 ኪሎ ሀርዝ 25 ሜትር ባንድ

12140 ኪሎ ሀርዝ 25 ሜትር ባንድ

13860ኪሎ ሀርዝ 22 ሜትር ባንድ

15630ኪሎ ሀርዝ 19 ሜትር ባንድ

ንኽትረኽቡና

ኣድራሻ ሰታሪት

VOA Tigrigna

Horn of Africa service
330 Independence Ave. SW
Washington, DC 20237

USA

ቁጽሪ ፋክስ + 1 202 358 0325

ናጻ ቁጽሪ ተለፎን ወሃብቲ ርእይቶ ድምጺ ኣመሪካ (ትግርኛ)

ኣብ መደባትና ብናጻ ርእይቶ ንምግዳፍ በዚ + 1 202 205 9942 ናይ ውሽጢ መስመር 15 ቁጽሪ ተለፎን ደውሉ። ኣብ መደባትና ርእይቶ ንምግዳፍ ቴሌፎናትና 24 ሰዓታት ኣብ መዓልቲ ከምኡ'ውን 7 መዓልታት ኣብ ሰሙን ክፉት'ዩ።

ኣገባብ ኣቀራርጻ ድምጺ ርእይቶ

ፈለማ ቁጽሪ ተለፎን + 1 202 205 9942 ደውሉ።

ሓጻር ናይ ድምጺ ኣመሪካ ሙዚቃ ድሕሪ ምስማዕኩም ቁጽሪ 15 ጠውቑ። ወይድማ ንዘመሓላልፈኩም ኦፕረተር እዚ ሓበሬታ ሃብዎ። እዚ መስርሕ'ዚ ናጻ ብምዃኑ ዝኾነ ክፍሊት ኣይሓትትን እዩ።

ንትገድፉልና ርእይቶታት መሰረታዊ መምርሒታት ኣተኣናግዳና ከማልኡ ይግብኦም። ብቑዓት ተመምዮም ናብ ፈነወ ይቐርቡ።

XS
SM
MD
LG