ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ፍርዲ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣብ ልዕሊ እሱር ቀሺ በላይ፡ ኣኽባር ሕጊ ክሲ ክምስርት ይሓትት


ቀሺ በላይ መኮነን
ቀሺ በላይ መኮነን

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ቤት ፍርዲ፡ ንኣኽባር ሕጊ እታ ሃገር፡ ኣብ እሱር ቀሺ በላይ መኮነን ኣብ ውሽጢ 15 መዓልታት ክሲ ክምስረተሎም ሓቲቱ። ኣብ መንበረ ፓርትሪያሪክ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ምኽትል ኣካያዲ ስራሕ ዝዀኑ ቀሺ በላይ መኮነን፡ ብ15 ሚያዝያ ብናይ ሓሶት ሰነዳት ካብ ሕሳብ ሕብረት ኣፍሪቃ 6- ሚልዮን ዶላር ንምውጻእ ፈቲኖም ብዝብል’ዮም ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ዘለው።

ብዋሕስ ካብ ማእሰርቲ ክወጽኡ ሓቲቶም፡ እሱር፡ ብቤት-ፍርዲ ከም ዝተኸልከሉ ይፍለጥ።

ሕብረት ኣፍሪቃ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብሳላ ምትሕብባር ባንክን ጨንፈር ፋይናንስ እቲ ትካል ነቲ ዘረፋ ከፍሽሎ ምኽኣሉ ክግለጽ እንከሎ፡ ተመሳሳሊ ተግባራት ከይድገም ግን ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ ስራሓቱ ከሕይል ኣዘኻኺሩ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG