ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕብረት ኣፍሪቃ ገንዘቡ ካብ ምዝራፍ ከም ዘፍሸለ ይገልጽ፡ ንዝሓየለ ጥንቃቐ ድማ ይጽውዕ


ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኢትዮጵያ -ፋይል
ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኢትዮጵያ -ፋይል

ሕብረት ኣፍሪቃ ሎሚ ረቡዕ 1 ግንቦት 2024 ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ገንዘቡ ካብ ምዝራፍ ከም ዘፍሸለ ይገልጽ፡ ንዝሓየለ ጥንቃቐ ድማ ይጽውዕ። እቲ ሕብረት ካብ ካዝናኡ ብመንገዲ ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ ኣቢሉ ናይ ሽዱሽተ ሚልዮን ዶላር ንምዝራፍ ዝተገበረ ፈተነ ከም ዘፍሸሎ ኣፍሊጡ።

እቲ ሕብረት ኣብ መግለጺኡ፡ ብ15 ሚያዝያ፡ ብስኑዕ ሰነዳት፡ ገንዘብ እቲ ትካል ንምስራቕ ዝተገብረ ፈተነ ንምትሕብባር ሰራሕተኛታት ባንክን ክፍሊ ፋይናንስ ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ክፈሽል ምኽኣሉ ሓቢሩ።

ብናይ ሓሶት ሰነዳት 6 ሚልዮን ዶላር ንምውጻእ ዝፈተኑ ኣብ መንበረ ፓርትሪያሪክ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ምኽትል ኣካይዲ ስራሕ ዝዀኑ ቀሺ በላይ መኮነን በቲ ፈተነ ተኣሲሮም ንቤት ፍርዲ ምቕራቦም ይፍለጥ።

መግለጺ ሕብረት ኣፍሪቃዊ በቲ ዝፈሸለ ፈተነ ኣድናቖቱ ክገልጽ እንከሎ፡ እቲ ባንክ ግን ንተመሳሳሊ ናይ ስልኳ ፈተነታት ምክትታሉ ከሕይል ጸዊዑ።

ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ መጋቢት፡ ኣብ ኣሰራርሓ ብዝተራእየ ክፍተት ሚልዮናት ዶላር ከም ዝተዘርፎ ይዘከር። እቲ ባንክ 19.5 ሚልዮን ዶላር ዝኸውን ገንዘብ ከም ዝተሰርቀ ክሕብር እንከሎ፡ ንምንጭታት መራኸቢ ብዙሃት ዝጠቐሰ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ግን እቲ ዝተዘርፈ ገንዘብ 100 ሚልዮን ዶላር ከም ዝበጽሕ ኣመልኪቱ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG