ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተኽእሎታት ሓድሽ መጥቃዕቲ ዳርፎር ተኽእሎታት ንጽልሙት መጻኢ


ዳርፉር - ፋይል
ዳርፉር - ፋይል

ኣመሪካ እትርከበን ሃገራት ባይቶ ጸጥታ፡ ኣብ ዳርፎር ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ንናይ ቅድሚ 20 ዓመታት ጃምላዊ ቅትለት ዝደግም ተርእዮ ይደግስ ከም ዘሎ ኣጠንቂቐን። እተን ሃገራት ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዘካየድኦ ኣኼባ፡ ንሱዳን ኣጽዋር ዝሸጣ ዘለዋ ሃገራት ሓደገኝነት እቲ ሳዕቤን ተረዲአን ከቋርጻ ኣተሓሳሲበን።

ኣምባሳድር ኣመሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዝዀነት ሊንዳ ቶማስ ፍሪንፊልድ፡ ድሕሪ’ቲ ዕጽዉ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ ንኣልፋሸር ንምጥቃዕ ዝግበር ዘሎ ምቅርራባት፡ ኣብ ሰግለለት ጃምላዊ ምጽናት ዓሌት ዝወስድ መንገዲ’ዩ ክትብል ኣጠንቂቓ። ኣምባሳድር ግሪንፊልድ፡ ሓይልታት ህጹጽ ውሃብ-ድጋፍ፡ ኣብታ እንኮ ካብ ቍጽጽሮም ወጻኢ ዘላ ከተማ ኣልፋሸር ናይ ዳርፎር ምስ ዝኣትዉ ንጅምላዊ መቕተልቲ ይቀራረቡ ምህላዎም ትሕብር። ንሳ ነቲ ተኽእሎታት ከተብርህ እንከላ፤ “ሕጂ ኣብ ንዛረበሉ ዘሎና ሰዓት፡ ሰራዊት ህጹጽ ውሃብ ድጋፍ ንኣልፋሸር ንምጥቃዕ ይዳሎ ኣሎ። ከምቲ ቅድሚ ሎሚ ዝበልኩዎ፡ ሎሚ’ውን ክደግሞ፡፡ ኣብ ዳርፎር ታሪኽ ጃምላዊ ህልቂት ይድገም’ዩ ዘሎ። በዚ ዝቀራረበ ዘሎ መጥቃዕቲ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ውሽጣውያን ተመዛበልቲ ኣብ ሓደጋ ኣለዉ። ካብ በበይኑ ቦታታት ዳርፎር ናብ ኣልፋሸር ተመዛቢሎም ዝመጽኡ ኣስታት ክልተ ሚልዮን ዜጋታት ኣለዉ። እዚኣቶም ኣብ ሓደጋ’ዮም፡” ኢላ።

ምኽትል ኣምባሳድር እንግሊዝ ዝዀነ ጃሜስ ካሪኪ’ውን ምስ ናይ ኣምባሳድር ሊንዳ ፍሪንፊልድ ዝመሳሰል ርእይቶ’ዩ ኣቃሊሑ። ንሱ፡ “ኣብዚ ሕጂ እዋን ሱዳን ንዝዀነ ተወሳኺ ግጭት ክትጸውር ዓቕሚ የብላን ጥራይ ዘይኰነስ ፍጹም ዕንወት ዝመርሕ’ዩ፡” ኢሉ።

ኣምባሳድር ኣመሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ዝሓለፈ ዓመት ኣብዚ ወርሒ ዝጀመረ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን እቲ እንኮ መፍትሒ፡ ክልተ ወገናት ብኽፉት ልቢ ክዛተዩ ደጊማ ብምጽዋዕ፡ ልዕሊ ኵሉ ድማ ህይወት ሲቪላውያን ዜጋታት ከድሕኑ ጸዊዓ።

ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሚያዝያ ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ህጹጽ ወሃብ ድጋፍን ድሕሪ ዝተወልዐ ግጭት፡ ኣስታት ሓሙሽተ ሚልዮን ሱዳናውያን ኣብ ድርኵኺት ዓጸቦ፡ ዝተረፎ ካልኦት 10-ሚልዮን ድማ ተጸበይቲ ረዲኤት ምዃኖም ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት የመልክት።

ሕጂ እቲ ጎንጺ ናብ ኣልፋሸር ናይ ዳርፎር እንተቀጺሉ ድማ እቲ ሰብኣዊ ቅልውላው ክብእስ ምዃኑ ክኢላታት የጠንቅቑ።

ቅድሚ 20 ዓመታት ዳርፎር ብሚሊሻ ጃንጃዊድ ጃምላዊ ህልቂት ዝተፈጸመላ’ያ። ኣብቲ እዋን 300-ሽሕ ሰባት ተቐቲሎም፡ ኣስታት 2.7 ሚልዮን ድማ ካብ ኣባይቶም ተመዛቢሎም፡፡

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG