ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓለምለኸ መዓልቲ ሰራሕተኛታት -- ንወሰኽ ደሞዝን ምምሕያሽ ስራሕን ብዝጠልብ ሰልፍታት ይዝከር


ቱርኪ ሰልፊ መዓልቲ ሰራሕተኛታት
ቱርኪ ሰልፊ መዓልቲ ሰራሕተኛታት

ዓለምለኸ መዓልቲ ሰራሕተኛታት፡ ኣብ በበይነን ሃገራት ኤስያን ኤውሮጳን ንዝተመሓየሸ ኩነታት ሰራሕተኛታትን ወሰኽ መሃያን ብዝጽውዕ ሰለማዊ ስልፍታት ተዘኺሩ። ኣብ ቱርኪ፡ መንግስቲ ካብቲ ክመጽእ ዝኽእል ተቓውሞ ብምርኣይ ሰለማዊ ሰልፊ ከልኪሉ እኳ እንተ ነበረ፡ ንዕኡ ጥሒሶም ዝወሓዙ ተሰለፍቲ ምስ ፖሊስ ተጋጭዮም።

ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ግሪኽ ንወሰኽ ደሞዝን ዝተመሓየሸ ኩነታት ሰራሕተኛታትን ዝጽውዕ ብማሕበራት ሰራሕተኛታት ዝተዳለወ ሰፋሕቲ ሰለማዊ ስልፍታት ገይሮም። ኣብ ፓሪስ ፈረንሳ ዝተረኽቡ ተሰለፍቲ ነቲ ኣጋጣሚ ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ዘለዎ ድጋፍ ኣርእዮም። ፖሊስ ፈረንሳ ድማ ንምድላው ኦሎምፒክ ይቀራረበሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ፖሊስ ኣዋፊሩ ንሰለማዊ ሰልፍታት ብቐረባ ክከታተሎ ምውዓሉ ሓቢሩ ኣሎ።

ብሰራሕተኛታት በበይነን ትካላትን ፋብሪካታትን ዝተዳለወ ሰልፍታት’ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ደቡብ ኮርያ፡ ኢንዶኖዥያን ካልኦት ሃገራት ኤስያን’ውን ምንባሩ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸይትድ ፕረስ ጠቒሱ።

ኣብ ጃፓን ኣስታት 10-ሽሕ ዝበጽሑ ሰራሕተኛታት ኣብ ቶክዮ ተረኺቦም፡ ንወሰኽ ደሞዝ ዝጽውዕ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካዪዶም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG