ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ሩቶ ነበርቲ ተኣፋፊ ከባቢታት ካብቲ ቦታ ክወጹ ተማሕጺኖም


ኣብ ኬንያን ጎረባብታ ሃገራት ምብራቅ ኣፍሪቃን ብርቱዕ ዝናብ ኣብ ዝወቅዓሉ ዘሎ ሕጂ እዋን፡ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ናብታ ብምፍራስ ዲጋን ውሕጅን ብዉሑዱ 48 ሰባት ዝሞቱሉን ካልኦት 84 ከኣ ደሃዮም ዘይተፈልጠ ንእሽቶይ ከተማ ማይ ማህሂዩ ትማሊ ሰሉስ በፂሖም።

ፕረዚደንት ሩቶ ኣብዘን ዝቕጽላ መዓልታት ተወሳኺ ዝናብ ክወቅዕ ትፅቢት ከም ዝግበር ብምጥንቃቅ እቶም ኣብ ተኣፋፊ ከባቢታት ዘለዉ ነበርቲ ነቲ ከባቢ ሓዲጎም ክወፁ ተማሕፂኖም’ለዉ።

ብመሰረት መግለፂ ሰበ-ስልጣን ኬንያ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ንደሓር ኣብ መላእ ኬንያ ብሰንኪ ውሕጅ ብውሑዱ 169 ሰባት ሞይቶም’ለዉ።

ኣብ ታንዛንያን ብሩንዲን’ዉን ብሰንኪ ብርቱዕ ዝናብ ዝሰዓበ ውሕጅ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ሞይቶም ብ ኣማኢት ዝቑጸሩ ካልኦት ድማ ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም ኣለው።

ድሕሪ ናይ ዓሰርተታት ዓመታት ደርቂ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብሰንኪ ኩነታት ኣየር ኤልኒኞ ዝሰዓበ ውሕጅ ኣብ ኬንያ ብውሑዱ 120-ሰባት ምሟቶም ይዝከር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG