ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ኣውሮጳ ንኢትዮጵያዊያን ኣብ ዝወሃብ ቪዛ ቐይዲታት የጽንዕ


ፋይል- ናይ ኢትዮጵያ ፓስፖርት
ፋይል- ናይ ኢትዮጵያ ፓስፖርት

ሕብረት ኣውሮጳ ካብ ኢትዮጵያ ቪዛ ንዝሓቱ ዜጋታት ጽኑዕ መስርሕ ክህልው ምውሳኑ ኣፍሊጡ። ሕብረት ኣውሮጳ ነዚ ውሳነ ዘሕለፈ ኢትዮጵያ ሕቶ ዑቕባኦም ዝተነጽገን ናብ ሃገሮም ዝምለሱ ዘይሕጋዊያን ስደተኛታት ብዝምልከት "እኹል ምትሕብባር" ብዘይምርኣያ ከምዝኾነ ይሕብር።

እዚ ውሳነ ኢትዮጵያዊያን ቪዛ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ንምርካብ ዘድልዮም መማልኢ ሰነድ ብዝምልከት ንዝነበሮም ውሑድ ቕይዲታት ዘስእን'ዩ፡ ብተወሳኺ ዝወሃብ ዝነበረ ተደጋጋሚ መእተዊ ፍቓድ ዝክልኽልን ዲፕሎማት ናብ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ክገሹ ምስ ዝደልዩ ክፍሊት ቪዛ ክኸፍሉ ዝብል ይርከቦ።

ኢትዮጵያዊያን ቪዛ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ንምርካብ ዝወስድ ዝነበረ ጊዜ ድማ ካብ 15 መዓልታት ናብ 45 መዓልታት ክብ ምባሉ ተገሊጹ’ሎ።

እዚ ተወሳኺ ቐይዲታት ኣብ ምሃብ ቪዛ ዝብል ውሳነ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ አካል'ቲ ዋሕዚ ዘይሕጋዊያን ስደተኛታት ናብ ሃገራት ኣውሮጳ ንምእጋት ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲታት ምዃኑ'ውን ይሕበር።

ኣብ መጀመሪያ እዚ ወርሒ ኣባላት ፖርላማ ሕብረት ኣውሮጳ ዝተመሓየሽ ስርዓት ስደተኛታት ኣፅዲቖም እዮም። እቲ ደጋፊ ማእኸል ፖለቲካ ሕብረት ኣውሮጳ ከምዝበሎ እዚ ንቁፅሪ ብዘይሕጋዊ ሰነዳት ንዝኣትው ስደተኛታት ዝንኪ እዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG