ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዘተ - ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ክልል ትግራይን ቐዳማይ ዓመት ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦ ፕሪቶርያ


ዘተ - ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ክልል ትግራይን ቐዳማይ ዓመት ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦ ፕሪቶርያ
please wait

No media source currently available

0:00 0:53:10 0:00

ዘተ - ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ክልል ትግራይን ቐዳማይ ዓመት ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦ ፕሪቶርያ

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሓዊሱ ኣብ ጉዳያት ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ጉዳያት ክልል ትግራይ ዝነጥፍ ባሻ ደስታ ከምኡ እውን ኣብ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ዝነጥፍን ኣብ መሓውራት ዜና ዝተፈላለዩ ፅሑፋት ዝፅሕፍን ጌታቸው ገብረኪሮስን ብዛዕባ ቀዳማይ ዓመት ውዕል ፕሪቶሪያን ኣብ ክልል ትግራይ ይርአይ ዘሎ ፖለቲካዊ ምዕባለን ብዝምልከት ዘትዮም ኣለው።

ባሻ ደስታ እቲ ውዕል ድምፂ ጥይት ካብ ምጥፍኡ ሓሊፉ ንክልልን ህዝብን ትግራይ የጋጥሞም ካብ ዘሎ ከቢድ ቅልውላው ከናግፎ ኣይክኣለን ይብል። ጌታቸው እውን ዝተመዛበለ ህዝቢ ናብ መንበሪኡ ክሳብ ዘይተመለሰን ክልላዊ ግዝኣት ትግራይ ብኤርትራን ክልል ኣምሓራን ተታሒዙ ኣብ ዝርከበሉ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ተፈፂሙ እዩ ክብሃል ኣይክኣልን ይብል። እቲ ህዝብን ክልልን ኣብ ከምዚ ኩነታት እናሃለው ኣብ መንጎ ህወሓትን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ይርኣይ ዘሎ ምስሕሓብ ምርኣዮም ከምዘሻቐሎም ክልቲኦም ይገልፁ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG