ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጸብጻብን ገምጋምን ቃለ-ምስክርነት ኮሚቴ ዝምድናታት ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ


ጸብጻብን ገምጋምን ቃለ-ምስክርነት ኮሚቴ ዝምድናታት ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ
please wait

No media source currently available

0:00 0:21:07 0:00

ጸብጻብን ገምጋምን ቃለ-ምስክርነት ኮሚቴ ዝምድናታት ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ

ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ባይቶ ኣመሪካ ኮሚቴ ዝምድናታት ወጻኢ ንኡስ ኮሚቴ ኣፍሪቃ፥ ንኢትዮጵያ ዝምልከት ቃለ-ምስክርነት ኣብ ዝተዋህበሉ እዋን፡ ኣባላት ባይቶ ብዛዕባ ኩነታት ኢትዮጵያ ዓሚቕ ሻቕሎቶም ገሊጾም ኔሮም።

ብወገን ፈጻሚ ኣካል ኣመሪካ ቃለ-ምስክርነቶም ዝሃቡ ሰበ-ስልጣን`ውን ንኢትዮጵያ ምኽሳር ዘዋጽእ ከምዘይኮነ፡ ይኹንምበር ኣካይዳ መንግስትን ኣብታ ሃገር ዝርአ ዘሎ ግጭትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ከምኡ`ውን መግለጽታት ኣፍደገ ባሕሪ ንኣመሪካን ነቲ ዞባን ዘሰክፍ ኾይኑ ከምዘሎ መስኪሮም።

"ኢትዮጵያ: ኣብ ተስፋ`ዶ ኣብ ሓደጋ?" ብዝብል ኣርእስቲ ዝተዳለወ ቃለ-ምስክርነት ባይቶ ኣመሪካ፡ ካብ ኣባላት ባይቶ ተሪር ስኽፍታ ዝተሰማዓሉን ሓደራ ዘሰከመን `ዩ ኔሩ። ነቲ ቃለ-ምስክርነት ዝሃቡ ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ ንጉዳይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመርን ምኽትል ሓላፊ ኣህጉራዊ ልምዓት ኣመሪካ ንጉዳይ ኣፍሪቃ ተይለር በክልማንን ክኾኑ ከለዉ ብርክት ዝበሉ ኢትዮጵያውያን ተሓለቕቲ`ውን ተሳቲፎም ኔሮም።

ነቲ ኣኼባ ዝመርሕ ዝነበረ ኣቦ መንበር ንኡስ ኮሚተ ኣፍሪቃ ጆን ጀምስ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርአ ግጭታትን ሳዕቤናቱን፡ኣብ ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ንዘሎ ዓሚቕ ፍልልይ ዘቃልዕ `ዩ ዝብል መእተዊ ድሕሪ ምግባር ንማይክ ሃመር ገምጋሙ ክሰምዕ ከም ዝደሊ ሓቲትዎ።

ማይክ ሃመር፡ ብዛዕባ ትግባረ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ክዛረብ ከሎ፡ “ሰራዊት ኤርትራ መሊኦም ኣይወጹን፡ ምፍታሕ ዕጥቅን ዳግመ ምጥያስን ዕጡቓት ክልል ትግራይ ገና ይጓተት ኣሎ። ኩነታት`ቶም ኣሰሓሓብቲ ቦታታት ገና ኣይተፈትሐን። ከምኡ `ውን በቲ ኣብ ክልል ኣምሓራን ክልል ኦሮሚያን ዝቐጸለ ጎንጺ ኣዚና ተሻቒልና ኣለና። ጃምላዊ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ይፍጸም ከም ዘሎ ጭቡጥ ሓበረታ ኣለና። ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ዝተሓላለኸ ኩነታት ወተሃደራዊ መፍትሒ ክርከቦ ከምዘይክእል ክግንዘቡ ደጊምና ኣስሚርናሉ ኢና” ዝብል ምስክርነቱ ሂቡ።

ኮንግረስማን ጆን ጀምስ ድማ ኣከታቲሉ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ ዝተሓወሶ ሕቶ “ዝሓለፈ ጥቅምቲ 2023 ቀዳማይ ሚስንተር ኣቢይ ኢትዮጵያ ኤርትራ ካብ ትፍለ ንድሓር ዶብ ኣልቦ ኮይና ስለዘላ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ወደብ ክህልዋ ኣለዎ ንሱ ድማ ንሃገሩ ካብ ጂኦግራፊያዊ ማእሰርቲ ከውጽኣ ዝኽእል ምዃኑን እቲ ጉዳይ ናይ ምንባር ሕቶ ምዃኑን ተዛሪቡ፡ መጎትኡ ከኣ ኣብ ታሪኽ ኣብ ህዝብታትን ኣብ ብሄራትን ዝተመርኮሰ ምዃኑ ተዛሪቡ፡ እዚ ኣበሃህላ`ዚ ቅድሚ ሎሚ ዝሰማዕናዮ ኣይመስለኩምን`ዶ፧ ሩስያ ኣብ ግዜ ኲናት ትግራይ ምስ ኢትዮጵያ ጥቡቕ ምሕዝነት ኣብ ዝፈጠረትሉ እዋን ንዩክሬን ትወርር ኔራ፡ ድሕሪ ምባል ዝስዕብ ርድኢት ከም ዘለዎ ተዛሪቡ።

“ብዛዕባ`ዚ ጉዳይ ዝያዳ እናተመሃርኩ ብዝኸድክሉ መጠን፡ ዝያዳ እናሻቐለኒ ዝኸይድ ዘሎ ነገር፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰላም ዝደሊ ኣይመስልን፡ ንዕኡ ዘግድሶ ምዕራባውያን ሃገራት ብፍላይ ድማ ኣመሪካ ፋይናንሳዊ ጸገማቱ ንኽንፈትሓሉ ጥራሕ`ዩ።”

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ እቲ ቀዳማይ ሚንስተር ብሰላም ብንግዳዊ ዘተ`ምበር ብሓይሊ ማለቱ ከም ዘይኮነ ኣረጋጊጹልና`ዩ ኢሉ፡“ንኣፍደገ ባሕሪ ዝምልከት ርእይቶ ቀዳማይ ሚስንተር ኣቢይ ንዓና ንኣመሪካ ጥራይ ዘይኮነስ ንኻልኦት ኣብቲ ዞባ ዘለዋ ሃገራት`ውን ሻቕሎት ፈጢሩ`ዩ። ግን ድማ እቲ ቀዳማይ ሚንስተር ብወግዒ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ምጥቃም ባሕሪ ዝምልከት ብንግዳዊ ልዝብ ብሰለማዊ ኣገባብ`ዩ ዝግበር ኢሉ`ዩ። ብዛዕባ`ዚ ብወግዒ ተዛሪቡ'ዩ ብውልቂ `ውን ኣረጋጊጹልና`ዩ። ብርግጽ ድማ እዚ ዞባ ፍጹም ዘየድልዮ ነገር እንተሃለወ ካልእ ኲናት`ዩ። ስለዚ ብወገና ኣብዚ እዋን`ዚ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ክግበር ዘድሊ ቀንዲ ነገር ግጭትን ጎንጽን ብሰለማዊ መንገዲ ምፍታሕ ምዃኑ ኣፍሊጥና ኢና።”

ኣብቲ ውዕሎ ባይቶ ንኡስ ኮሚቴ ኣፍሪቃ ቃለ-ምስክርነቱ ዝሃበ ምኽትል ኣህጉራዊ ልምዓት ኣመሪካ ንጉዳይ ኣፍሪቃ ተይለር በከልማን ብወገኑ፡ ሰብኣዊ ረድኤት ካብ ተጸገምቲ ተጨውዩ ክስረቕን ናብ ካልእ መዓላ ክውዕል ድሕሪ ምዕዛብና ረድኤት ጠጠው ኣቢልናዮ ጸኒሕና ኢና ሕጂ ግን መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ መቆጻጸሪ ኣገባባት ክገብር ምዃኑ ድሕሪ ምስምምዑ ኣብዚ ወርሒ ሕዳር ነቶም ዝያዳ ተቓላዕቲ ዝዓለመ ረድኤት ክንህብ ጀሚርና'ለና ኢሉ።

ኣብቲ ቃለ-ምስክርነት ካብ ዝተረኽቡ ኢትዮጵያውያን ሓደ ዲፕሎማት ኢትዮጵያ ዝነበረ ኣቶ ብርሃነመስቀል ነጋ ንጋዜጠኛ ድምጺ ኣመሪካ ካሮል ቫንዳም ኣብ ዝሃቦ ቃለ-መጠይቕ፡እቲ ግጭት ካብ ክልል ትግራይ ሓሊፉ ኣብቲ ዝያዳ ቁጽሪ ህዝቢ ዝርከቦ ክልል ኣምሓራ`ውን ኣብ ዝቐጸለሉ እዋን መንግስቲ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምሓራ ህዝባዊ ኲናት ኣዊጁ`ሎ ክብል ነቒፉ። ኣተሓሒዙ ኣባላት ባይቶ ዘቕርብዎ ዝነበሩ ሕቶታት ዝምስገን`ኳ እንተኾነ ካብ ምምሕዳር ባይደን ጭቡጥ ስጉምትታት ኢና ንጽበ ኢሉ።

ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ይፍጸም ኣሎ ዝተባህለ ጃምላዊ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ንድምጺ ኣመሪካ ብጽሑፍ ምላሽ ዝሃበ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኣመሪካ ዶ/ር ስለሺ በቀለ "ኣብ ልዕሊ እቶም ገበናት ዝፈጸሙን ረድኤት ዝጨወዩን ኣባላት ጸጥታ ይኹኑ ሰበስልጣን: መንግስቲ ናብ ፍትሒ ናይ ምቕራብ ስጉምቲ ይወስድ ኣሎ"ድሕሪ ምባል፥ ኣብታ ሃገር ዕርቅን ነባሪ ሰላምን ንምምጻእ እውን ንሰርሕ ኣለና፡ ግን እቲ መስርሕ ኣብ ሓደ ለይቲ ዝኸውን ኣይኮነን ኢሉ።

"ከፈልቲ ግብሪ ኣመሪካ ናትኩም መጠቀሚ ምዃን ሰልችዩዎም ኣሎ" ንዝብል ኣበሃህላ ኣባል ባይቶ ኣመሪካ እውን ክምልስ ዝተሓተተ ኣምባሳደር ስለሺ፥ "ካብ ምጽባይ ረድኤት ወጺና ናብ ርእሰ-ምርኮሳ ክንሰግር ድልየትና'ዩ፡ ካብ ኣመሪካ ወፍርን ሽርክነትን ኢና ንደሊ፡ ኢትዮጵያ ናብ ኣጋዋ ተመሊሳ ንግዳዊ ምሕዝነትና ክነደልድል እውን ንጽውዕ ኣለና" ክብል መሊሱ።

ኣመሪካ ካብቲ ኣጋዋ ዝብሃል ስምምዕ ንግዲ ናጻ ቀረጽ ንኢትዮጵያ ዘደስከለታ ኣብታ ሃገር ሰብኣዊ መግሃስቲ ኣይተመሓየሸን ብዝብል ምዃኑ ይዝከር።

ብዛዕባ`ቲ ቃለ ምስክርነት ትንተንኡ ንክህብ ንተመራማሪ ስነ-ባሕርን ተፈጥሮኣዊ ጸጋታትን ዶ/ር መብራህቱ ኣተወብርሃን ኣዘራሪብናዮ ኣለና።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG