ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትንታነ በዓል ሞያ ቁጠባ ኣብ ጉዳይ ዘይምኽፋል ዕዳ ኢትዮጵያ


ትንታነ በዓል ሞያ ቁጠባ ኣብ ጉዳይ ዘይምኽፋል ዕዳ ኢትዮጵያ
please wait

No media source currently available

0:00 0:10:02 0:00

ትንታነ በዓል ሞያ ቁጠባ ኣብ ጉዳይ ዘይምኽፋል ዕዳ ኢትዮጵያ

ኢትዮጵያ ክተኸፍሎ ዝነበራ ናይ ወለድ ዕድኣ ዘይኸፈለት ወይ ዲፎልት ሳልሰይቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኮይና ኣላ። እዚ ምደባ እዚ ኣብ ልዕሊ ቁጠባ ኢትዮጵያን ዜጋታት እታ ሃገርን ዝህልዎ ትርጉምን ንሓዋሩ ምስ ኣለቃሕቲ ሃገራትን ትካላትን ክፈጥሮ ዝኽእል ፅልዋን ተኣሳሰርቲ ቁጠባዊ ጉዳያትን ብዝምልከት ርእይቶ ክህበና ንክኢላ ስነ-ቁጠባ ሲሳይ ተኽሉ ካብ ዴንቨርድ ኮሎራድ ኣዘራሪብናዮ ኣለና።

እዚ ዘምኽፋል ወለድ ኣብ መነባብሮ ህዝቢ ለውጢ ከምጽእ ይኽእል'ዶ? እዚ ብድምሩ ነታ ሃገር ብኸመይ ክጸልዋ ይኽእል? ንምዃኑ እዚ ምስ ካልኦት ዕደአን ዘይከፈላ ሃገራት ክርአ እንከሎ ክሳብ ክንደይ ዓቢ ወይ ንእሽቶ’ዩ ዝብሉ ሕቶታት’ውን ክኢላዊ ገምጋሙ ኣካፊሉና ኣሎ።

ምክትል ሚንስተር ገንዘብ ኢትዮጵያ ኣቶ እዮብ ተካልኝ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ‘’እታ ሃገር ወለድ ዘይከፈለትሉ ምኽኒያት ዓቕሚ ስለዘይብላ ዘይኮነስ ምስ ካልኦት ኣለቃሕቲ ይካየድ ንዘሎ ልዝብ እፎይታ ዕዳ ከይጎድኦ ብምሕሳብ እዩ፡’’ ኢሉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG