ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሎስ ኣንጀለስ ሰልፈኛታት ንሓድሕዶም ተጋጭዮም


ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርንያ ሰልፈኛታት ነንሕድሕዶም ተጋጭዮም። ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ መንጎ ደገፍቲ ፍልስጤማዊያንን ደገፍቲ እስራኤልን ዘጋጠመ ግጭት ንክልተ ሰዓታት ድሕሪ ምቅፃሉ ሎሚ ረቡዕ ኣባላት ፖሊስ ኣብቲ ቦታ ምእታዎም ተሓቢሩ'ሎ።

ዛጊት ልዕሊ 1,000 ሰልፈኛታት ኣብ ቐይዲ ምእታዎም ድማ ተረጋጊጹ'ሎ። ብዛዕባ ዝበጽሐ ጉድኣት ግን ዝተፈልጠ ነገር የለን። ኣብ መንጎ ላዕለዎት ሰበስልጣን እቲ ዩኒቨርስቲን መራሕቲ እቲ ሰልፊ ተቃውሞን ካብ ምትዕንቃፍ ልሙድ ከይዲ እቲ ካምፓስን ስነስርዓት ምቅባል ሓደስቲ ተማሃሮን ክቁጠቡ ብዝተወሰነ መልክዑ ኣብ ስምምዕ ምብፀሖም ኣሶሼይትድ ፕረስ ሓቢሩ።

ከምኡ'ውን ነቲ ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ለይቲ ብደገፍቲ ፍልስጤማዊያን ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ተቋሪፁ ዝቀነየ ዩኒቨርስቲ ኮሎምቢያ እውን ንሓገዝ ፖሊሲ ብዝገበሮ ፃውዒት ድሕሪ ሰዓታት ናብቲ ቀፅሪ ዝኣተወ ፖሊስ ነቲ ሰልፊ በቲንዎ። ንዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት በቶም ዩኒቨርስቲታት ምስ እስራኤል ወይውን ነቲ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ምስ ዝድግፉ ኩባያታት ምስራሕ ጠጠው ንኸብሉ ብዝፅዉዑ ሰልፍታት ተቃውሞ ድሕሪ ምልዓሎም ፖሊስ ኣብ ምሉእ ኣመሪካ ኣብ ዝርከቡ ዩኒቨርስቲታት ተዋፊሮም ፀኒሖም እዮም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG