ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግዱድ ዕዮ፡ ዓመታዊ 236 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ይገብር


ግዱድ ዕዮ፡ ዓመታዊ 236 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ይገብር
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:19 0:00

ግዱድ ዕዮ፡ ዓመታዊ 236 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ይገብር

ናይ ሕቡራት ሃገራት ዓለምለኸ ትካል ዕዮ (International Labor Organization) ግዱድ ዕዮ (forced labor) ካብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ብ37% ምዕባዩ ኣመልኪቱ። እዚ ድማ ተደማሚሩ ኣብቲ ጽላት ናይ 64 ቢልዮን ዶላር ዕብየት ከምከምዘርኣየ ክኢላታት ይገልጹ።

ዓለምለኸ ትካል ዕዮ (International Labor Organization) ሎሚ ሰሉስ ኣብ ባራስለስ በልጂዩም ኣብ ዝነበሮ ርክብ፡ ኣብዚ መዳይ ግዱድ ዕዮ (forced labor) እቲ ቀዲሙ ዝጥቀስ ጾታዊ ምዝመዛ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ሰራሕተኛታት ዝግበር ግዱድ ስራሕ ምዃኑ የብርህ።

ዓለምለኸ ትካል ዕዮ ኣብ መግለጺኡ፡ እቲ ጽላት ብባህሪኡ ንብልሽውና ዘተባብዕ፡ መርበብ ገበነኛታት ዘዕቢን ንዝገደደ ምዝመዛ ድፍኢት ዝኸውንን’ዩ ይብል።

ዋና ዳይረክተር ትካል ጂልበር ሆንግቦ ከም ዝብሎ፡ መርበባት ግዱድ ዕዮ እንተ ዘይተበቲኹን ተሰቢሩን፡ ዜጋታት ሓያሎ ሃገራት ኣብ ሰንሰለታዊ ድኽነት ክነብሩ ዘገድድ’ዩ። ንሱ ከም ዝብሎ ካብ መንጎ’ቲ ኣዝዩ ዝውቱር መስርሕ ግዱድ ዕዮ መሃያ ሰራሕተኛታት ዘይምኽፋልን ምድምጓይን ይርከቦ። እዚ ልምዲ’ዚ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝዝውተር ኣገባብ ምዃኑ ድማ እቲ ዋና ዳይረክተር ይገልጽ።

ዓለምለኸ ትካል ዕዮ፡ ንግዱድ ሸቕሊ፡ “ሓደ ዜጋ ኣንጻር ድሌት ብዝግበሮ ሰራሕ ወይ ድማ ክመጽእ ንዝኽእል ሳዕቤን ኣብ ግምት ብምእታው ምስ ኣስራሒ ዝግበሮ ምትዕጽጻፍ” ኢሉ ይገልጾ። እዚ ኣገባብ ድማ ኣብ በበይኑ እዋን ስራሕ ካብ ግዜ ምቝጻር ክሳብ እዋን ምፍናው ክኸውን ይኽእል።

ምኽትል ዳይረክተር ጀነራል ምሕደራ ዓለምለኸ ትካል ዕዮ ዝዀነ ማኑወላ ቶመይ ብዛዕባ'ዚ ንተጋባእቲ ክትገልጽ እንከላ፤ “ሎሚ፡ ግዱድ ዕዮ፡ ኣዝዩ ኣኽሳቢን ማዕረ እቶቱ ድማ ዓቢ ክሳራ ዘይብሉ ንግዲ ኰይኑ ኣሎ። ኣብ ዓመት 236 ቢልዮን ዶላር ዘእቱ ጽላት’ዩ። እዚ ንምእማኑ ዘጸግም መጠን’ዩ። እዚ መጠን ክንዲ ዓመታዊ እቶት በዓል ላትቪያ ወይ ክርኦሺያ ምናልባት ድማ ካብ ዓመታዊ መኽሰብ ዓበይቲ ኩባንያታት ዓለም እኒ በዓል ማይክሮሶፍት ወይ ሳምሶንግ ዝዛይድ ምዃኑ’ዩ። ድሕሪ’ዚ ኣሃዝ’ዚ ኣብ ስቓይ ዝርከቡን ካብ ሰንሰለታዊ ዓመጽ ንምውጻእ ዘይክኣሉን ግዳያት ሰባት ከም ዘለዉ ክንዝክር የድሊ።”

ዓለምለኸ ትካል ዕዮ በዚ ዝበሎ መመዘኒ ኣብ 2021 ኣስታት 27.6 ሚልዮን ዜጋታት ዓለም ኣብ ግዱድ ዕዮ ምንባሮም የመልክት። ካብዚ እቲ ዝለዓለ ኣሃዝ ኣብ ኤስያ-ፓሲፊክ ኰይኑ፡ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ኣመሪካ፡ ማእከለይ ኤውሮጳን ኤስያን’ውን ነፍሲ-ወከፈን ካብ 13% ክሳብ 14% ናይቲ ጠቕላላ ድምር ብዝሒ ከም ዘለወን መጽናዕታት እቲ ትካል ይገልጽ።

ዓለምለኸ ትካል ዕዮ ከም ዝሕብሮ፡ 85% ናይቶም ኣብ ግዱድ ዕዮ ዘለዉ ዜጋታት ናብ ጊልያነት ዝጸጋጋዕ ኣገባብ ከም ክፍሊት ዘይብሉ ሸቕሊ፡ ልመና፡ ጾታዊ ጊልያነትን ካልእ ተመሳሳሊ ኣብ ስቱር ኣገባብ ዝግበር ስራሓትን ከም ዘጠቓልል ይሕብር። እቲ ዝተረፈ ኣሃዝ ድማ ብመንግስታት ዝግበር ግዱድ ሸቕሊ ምዃኑ እቲ ትካል ይሕብር።

ኣብ ግዱድ ዕዮ ቀዲሙ ዝጥቀስ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮን ቆልዑን ዝወርድ ኣስገዳድ’ዩ። ካብኡ እቲ ቀንዲ ዝውቱር ኣገባብ ድማ ንደቀንስትዮ ኣብ ጾታዊ ጊልያነት ምእታው ይርከቦ። እዚ ተደማሚሩ ኣስታት 173 ሚልዮን ዶላር ዓመታዊ እቶት ከም ዝገብር እቲ መጽናዕቲ ይጠቅስ። መጽናዕቲ ዓለምለኸ ትካል ዕዮ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ መዓልቲ ኣብ ምሉእ ዓለም ኣስታት 6.3 ሚልዮን ደቀንስትዮ ኣንጻር ድሌትን ተገዲደን ኣብ ጾታዊ ስራሕን ምዝመዛን ይዋፈራ ይብል ።

ድሕሪ ጾታዊ ጊልያነት ቀጺሉ ዝስዕብ ኣብ ዘቤታዊ ዕዮን ኣብ ስራሓት ሕርሻ ዝዋፈሩ ሰራሕተኛታትን ምዃኖም’ዩ። ክልቲኡ እዚ ጽላት ተደማሚሩ ድማ ናይ 35 ቢልዮን ዓመታዊ ኣታዊ ዝግበር ምዃኑ’ዩ። እዚ ኣሃዝ’ዚ ግቡእ ግብሪ ዘይክፈሎን ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎትን ዘለዎ ምዃኑ ድማ እቱ ዝተሓላለኸ መርበብ ግዱድ ሸቕሊ ዝያዳ ኣዕናዊ ከም ዝገብሮ ክኢላታት ይሕብሩ።

ንኣመሪካ ሓዊስካ፡ ሓያሎ ሃገራት ንግዱድ ሰራሕ ከትርፈኦ ምዃነን ቃል ይኣትዋ። ሕቡራት ሃገራት’ውን ኣብ 2030 ነዚ ልምዲ ጠቕሊሉ ንምትራፍ መደብ ሓንጺጹ ነይሩ። ክኢላታት እቲ ዓውዲ ግን እቲ ተግባራት መሊሱ ይዓቢ እምበር ኣሰር ምጕዳል ኣይተራእዮን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG