ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣድማ ተመሃሮ ዩኒቨርሲታት ኣመሪካ ይቕጽል፡ ማእሰርቲ’ውን ከምኡ


መብዛሕትአን ዩኒቨርዚታት ኣመሪካ ንዓመታዊ መመረቕታ ይዳለዋሉ ኣብ ዘለዋ እዋን፡ ዩኒቨርሲታተን ምስ እስራኤል ዘለወን ርክብ ክበትካ ዝጽውዕ ተቓውሞ ይቕጽል ኣሎ። ሓያሎ ዩኒቨርሲታት ማእከል መመረቕታአን ብቴንዳታት ተቓውሞ ተታሒዙ ስለ ዘሎ፡ ንስነ-ስርዓታት ከተዓናቕፎ ምዃኑ ብሸዓኡ ይግመት።

እተን ዩኒቨርስታት ተመሃሮ ቦታታት ክለቁ ድሕሪ ዝገበረኦ ተደጋጋሚ ጻውዒት ምዃን ምስ ኣበየን ቴንዳታት ከፍርሳን ተማሃሮ ክኣስራን ተገዲደን ኣለዋ። ኣብ ቐዳመ-ሰንበት ኣብ ዩኒቨርሲታት ኢንዲያና፡ ኣሪዞናን ዋሺንግተን ናይ ሰንት-ልዊስን ብድምሩ 275 ተመሃሮ ምእሳሮም ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸይትድ ፕረስ ጸብጺቡ። በዚ ምኽንያት ድማ ኣብቲ ካብ 18 ሚያዝያ ኣትሒዙ ዝጀመረ ኣድማታት 900 ተመሃሮ ምእሳሮም ተፈሊጡ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG