ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ልዕሊ 80 ኢትዮጵያዊያን ዘይሕጋዊ ስደተኛታት ኣብ ታንዛንያ ተኣሲሮም


Tanzania
Tanzania

ኣዛዚ ክፍለ-ግዝኣት ኪሪንጋ ፒተር ካካምባ፣ እቶም 80 ስደተኛታት ብመኪና ይጓዓዙ ከምዝነበሩን እንተይታሓዙ ነይሩ ናይ መብዛሕተኦም ህይወት ይጠፍእ ከምዝነበረ ሓቢሮም።

ካብ ሞንጎ’ቶም ዘይሕጋዊ ስደተኛታት እቶም ሰለስተ ብፃምእን ጥምየትን ስለዝደኸሙ ናብ ሆስፒታል ተወሲዶም’ዮም። እቶም ኣብ ጥቃ ዶብ ምስ ማላዊ ዝተታሓዙ ኢትዮጵያዊያን፣ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንምዝላቕ ሓሊኖም ዝነበሩ’ዮም።

ዶ/ር ቴሃ ንጋራ ኮምሽነር’ቲ ከባቢ’የን ‘ኣብ ቤት ምእሰርት ኣፅኒሕና ናብ ቤት ፍርዲ ክንወስዶም ኢና’ ኢለን። ካልኦት ኢትዮጵያዊያን ስደተኛት’ውን ኣብ ቤት ምእሰርቲ ከምዝርከቡ ገሊፀን።

ኢትዮጵያ ኣብ ታንዛንያ ቤት ፅሕፈት ቆንፅል ኣይከፈተትን። እንተኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ’ቶም እሱራት ኣዘራሪብኩም’ዶ ይፈልጥ? ንዝብል ዝቀረበለን ሕቶ እተን ኮምሽነር ‘ኣይፈለጥኩን። ምናልባሽ ኣይገደሱን ይኾኑ። ወይካኣ እዞም ሰባት ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ካብ ሃገሮም ንከይወፁ ኣይፈቀዱሎምን ይኾኑ። ብዝኾነ ጊዜ ማእሰርቲ ምስዛዘሙ ንዓዶም ክንጥርዞም ኢና’ ኢለን።

ኬንያ ናይሮቢ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ንጉዳይ ታንዛንያ ዝከታተል ስለዝኾነ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ሓቲተዮም ‘ካባኻ ኢና ንሰምዖ ዘለና። ተኸታቲልና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ክንህበካ ኢና ከምዝበልዎን እዚ ዜና’ዚ ክሳዕ ዝተሰርሐ ከምዘይረኸብዎን’፣ ኣሌክስ ኣዳም ዝተባሃለ ታንዛንያዊ ኣብ ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ኢትዮጵያዊያን ይሳተፍ’ዩ ተባሂሉ ከምዝተኣሰረን ኣቀባሊና ገልሞ ዳዊት ገሊፁ።

XS
SM
MD
LG