ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቃለ-መጠይቕ ምስ ኔት ዩሃንስ ዋና ኣማካሪ አብ ክፍሊ ቤት ጽሕፈት ወፍሪን ምህዞን አብ ዋይት ሃውስ


ኤርትራዊ አሜሪካዊ መንእሰይ ኔት ተስፋሚካኤል ዮሃንስ አብ ቤተ-መንግስቲ ኣሜሪካ (ዋይት ሃውስ) ዋና አማካሪ አብ ቤት ጽሕፈት ወፍሪን ምህዞን ክፍሊ ምሕደራ ነአሽቱ ሰብ ዋኒን ኮይኑ ብፕረዝደንት አሜሪካ ዝተመዘዘ’ዩ።

ኔት ቅድሚ ናብዚ ናይ ቤተ-መንግስቲ ጽፍሒ ምምዛዙ አብ ማኒ ማነጅመንት ዝተባህለ ትካል ከም ጠበቃ ኮይኑ ይሰርሕ ነይሩ። እዚ ትካል አብ ወፍሪ ነአሽቱ ሰብ ዋኒን ንዝተዋፈሩ ሰብ ዋኒን ገንዘብ ዘለቕሕን አብ ምሕደራ ሃብትን ባንኪንግን ዝነጥፍ ትካል’ዩ። ኔት ብዛዕባ እቲ ናይ ዋይት ሃውስ መዝነቱን ብኸመይ አብቲ ደረጃ ከምዝበጽሓን ብጠቅላላ ታሪኩን ብከምዚ ዝስዕብ ናብ ስትድዮና ብምምጻእ አካፊሊና’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ቃለ-መጠይቕ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

ቃለ-መጠይቕ ምስ ኔት ዩሃንስ ዋና ኣማካሪ አብ ክፍሊ ቤት ጽሕፈት ወፍሪን ምህዞን ዋይት ሃውስ
please wait

No media source currently available

0:00 0:10:02 0:00

XS
SM
MD
LG