ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ማርጆሪ ግሪን፡ ኣፈ-ጉባኤ ንምውራድ ዝገበረቶ ጻዕሪ ኣይቀንዓን


ኣባል ባይቶ ኣመሪካ ማርጆሪ ግሪን
ኣባል ባይቶ ኣመሪካ ማርጆሪ ግሪን

ተሪር ዓቃባዊ መርገጺ ዘለዋ ኣባል ባይቶ ኣመሪካ ማርጆሪ ተይሎር ግሪን፡ ኣፈ-ጉባኤ ማይክ ጆንሶን ንምውራድ ዝጀመረቶ መስርሕ ትማሊ ረቡዕ ብድምጺ ተሳዒሩ። ግሪን፡ እቲ ኣፈ-ጉባኤ ፈጺምዎ ዝበለቶ “ክድዓት” ብምዝርዛር፡ “ድኹምን ነዚ ስራሕ ዘይበቅዕን ስለ ዝዀነ ካብ መዝነቱ ከነውርዶ፡” ኢላ ኣብ ባይቶ ድሕሪ ምምጓታ፡ ናይ ምድሃል ድምጺ ስዒቡዋ።

ድሕሪኡ ነቲ ኣፈጉባኤ ንምቕጻሉ ወይ ምእላዩ ኣብ ዝተዋህበ ድምጺ 359 ንኽጸንሕ ከድምጹ እንከለዉ፡ 43 ድማ ንምእላዩ ሓርዮም። እዚ ፈላሚ ድምጺ ኣብ መንጎ ሰልፊ ርፓብሊካውያን ጥራይ ምዃኑ’ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG