ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ቁጽሪ ተሳፈርቱ ብ30% ከዕቢ ትጽቢት ከም ዘለዎ ኣፍሊጡ


 ዋና ኣመሓዳሪ`ቲ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣቶ መስፍን ጣሰው - ፋይል
ዋና ኣመሓዳሪ`ቲ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣቶ መስፍን ጣሰው - ፋይል

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ቁጽሪ ተሳፈርቱ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ብ30% ከዕቢ ትጽቢት ከም ዘለዎ ኣፍሊጡ። ዋና ኣመሓዳሪ`ቲ መንገዲ ኣየር ኣቶ መስፍን ጣሰው ንሮይተርስ ከም ዝሓበሮ፡ ነቲ ወሰኽ ቀንዲ ምኽንያት፡ ሓደስቲ መስመራትን ምምላስ ዓለምለኸ መገሻ ናብ ንቡርን`ዩ።

እንተኾነ እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ መንገዲ ኣየር፡ ዝኣዘዘን ነፈርቲ ብምድንጓየንን፡ ብሰንኪ ሕጽረት ሞተረታት ኣብ መሬት ጠጠው ክብላ ስ-፡ዝተገደዳን፡ ብዙሕ ብድሆታት ገጢምዎ ከም ዘሎ ኣቶ መስፍን ሓቢሩ'ሎ።

እቲ ሓላፊ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣተሓሒዙ፡ ከም ቦይንግ ዝበሉ ኣፍረይቲ ነፈርቲ ኣብ ግዜ ከብጽሑሎም ስለዘይከኣሉ፡ ኣብ ኣገልግሎት ገያሾ ሕጽረት የጋጥም ከም ዘሎ ሓቢሩ።

ቅድሚ ዝሓለፈ ሰነ 2023 ዝነበረ ዓመት፡ 13.9 ሚልየን ገያሾ ከም ዘሳፈረ ዝገልጽ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ እዋን`ዚ 146 ናይ ቦይንግ ነፈርቲ ከም ዘለውኦን 70 ተወሰኽቲ ኣዚዙ ከም ዘሎን ኣፍሊጡ`ሎ።

ምስቲ ኩሉ ብድሆታቱ ኣብዚ ዓመት ኣታዊኡ ብ 20% ብምዕባይ ናብ 7.3 ቢልየን ዶላር ክብ ከብሎ ምኽኣሉ ኣቶ መስፍን ጣሰው ንሮይተርስ ሓቢሩ`ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG