ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዛጊድ ኣብ ኢድ ምርጫ ቦርድ ዝኣተወ ውፅኢት ምርጫ ኢህወዴግ ብምሉኡ ስዒሩ


ኣቦ መንበር ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ፕሮፌሰር መርጋ በቀና
ኣቦ መንበር ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ፕሮፌሰር መርጋ በቀና

ካብ ናይ ኢትዮጵያ 547 ናይ ምርጫ ክልላት ዛጊድ ኣብ ኢዱ ዝኣተወ ናይ 442 ግዚያዊ ውፅኢት ገዛኢ ፓርቲ ኢህወዴግ ምስዓሩ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ናይ 2007 ዓ/ም ሓፈሻዊ ምርጫ ግዚያዊ ውፅኢት ዕላዊ ዝገበሩ ኣቦ መንበር ሃገራዊ ምርጫ ፕሮፌሰር መርጋ በቃና ክሳብ ሕዚ ብዘሎ ሓበሬታ ገዛኢ ፓርቲ ኢህወዴግን ኣጋር ውድባትን ምስዓሮም ገሊፆም ኣለው።

‘’ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክብዘለዋ 23 መናብር ንኹሎም ኢህወዴግ ስዒሩ’ሎ’’ ምስ በሉ ኣስዒቦም ‘’ኣብ ክልል ኦሮሚያ ካብ ዘለው 178 መናብር ወክልቲ ህዝቢ ናይ 150 ውፅኢት በፂሑና’ሎ።ኩሎም 150 ኦህዴው/ኢህወዴግ ስዒርሩ’ሎ’ኢሎም።

ካብ ክልል ኣምሓራ ብኣዴን/ኢህወዴግ፣ካብ ናይ ደቡብ ክልል ዴህዴን/ኢህወዴግ፣ካብ ክልል ትግራይ ድማ ህውሓት ንኹሎም ስዒሮም ኣለው።

ብናይ ኢህወዴግ ኣጋር ውድባት ዝምርሓ ክልላት እውን ተመሳሳሊ ውፅኢት ተመዝጊቡ’ሎ።ተቓወምቲ ዝሰዓርሉ እንተሃሊዩ ዝተሓተቱ ኣቦ መንበር ቦርድ ምርጫ ውፅኢ ምሉእ ብምሉእ ምስ በፅሐ እዩ ዝፍለጥ ኢሎም።

ገለ ፖለቲካዊ ፓርትታት እቲ ምርጫ ብፅዕንቶን ብምንክልባትን ዝተኻየደ እዩ ክብሉ ቅሬትኦም ኣብ ምግላፅ ይርከቡ።ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ግን እቲ ምርጫ ብዕውት ተዛዚሙ’ሎ ክብል ኣወዲሱዎ’ሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ሰላማዊ መረፃ ምክያዳ ብምንኣድ እንተኾነ ግን ኣብ ስቪል ማሕበረሰባት፣መራኸቢ ብዙሃን፣ተቓወምቲ ፓርትታት፣ነፃ ድምፅን ኣረኣእያን ምድራት ኣብታ ምቕፃሉ ብዓሚቕ ከምዘሻቐሎ ገሊፁ’ሎ።

XS
SM
MD
LG