ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት ንዝወሰዶ ስጕምቲ ቪዛ ትቃወም


ፋይል
ፋይል

ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ኢትዮጵያ ኣብ ምቕባል ዝተነጽጉ ሓተትቲ ዑቕባ ዝድለ ምትሕብባር ኣየገበረትን ብምባል ንዘንበሮ ምትራር ቪዛ ኣትሪራ ተቓዊማቶ። ብኤውሮጳዊ ሕብረት ዝተነብረ ክልከላ፡ ኢትዮጵያውያን ናብቲ ሕብረት ሓንሳብ ጥራይ ዘእቱ ቪዛ ክረኽቡ፣ ንውሓት መስርሕ ግዜ ቪዛ ካብ 15 መዓልታት ናብ 45 ክናዋሕ፣ ዲፕሎማት’ውን ክፍሊት ቪዛ ክኸፍሉ ዝብል ይርከቦ።

ነቲ ብኤውሮጳዊ ሕብረት ዝወጽአ መግለጺ ምላሽ ዝሃበ ኣብ ብራስለስ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ስጉምቲ እቲ ሕብረት ከም ዝደንጸዎ ክገልጽ እንከሎ፡ ቅልጡፍ ዳግመ-ምትዕርራይ ክግበረሉ ጸዊዑ።

መግለጺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣስዒቡ፡ ስጕምቲ ኤውሮጳዊ ሕብረት “መንነት ዜጋታት ንምጽራይ ዝግበሮ ጻዕሪን ድሮ ዘርኣዮ ምትሕብባርን ኣብ ግምት ዘየእተወ’ዩ፡” ኢሉዎ ኣሎ።

ኤውሮጳዊ ሕብረት ተመሳሳሊ ናይ ቪዛ ምትራር ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ጋምቢያ ምግባሩ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ የመልክት።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG