ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስግኣትን ተስፋን ማሕበረሰባት ዶባት ኢትዮጵያን ኤርትራን


ምስ ኤርትራ ኣብ ዘዋስን ወረዳታት ክልል ትግራይ ዝርከቡ ነበርቲ ኣብ ስግኣት ከምዝርከቡ ነበርትን ኣመሓደርቲ ወረዳታትን ንድምጺ ኣመሪካ ገሊፆም።

ንሶም ወሲኾም ኢትዮጵያዊያን ብግዲ ኤርትራዊያን ንክኾኑ ይግደዱ ኣለው ይብሉ። ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ወረዳ ኢሮብ ጠቕሊሎም ብምውፅኦም ህዝቢ ኢሮብ ኣብ ዝለዓለ ስግኣት ምውዳቖም ኣመሓዳሪ እቲ ወረዳ ይገልፁ።

ብሚንስትሪ ሓበሬታ ኤርትራ "ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓንሳብን ንሓዋሩን ምንቅጥቃጥ ምድሪ እውን ብዘይቅይሮ መገዲ ተመልኪቱ’ዩ’’ ዝብል ሓተታ ኣውፂኡ ኣሎ።

ሓደ ብህዝቢ ኢሮብ ዝተወከለ 12 ኣባላት ዝሓቖፈ ግዚያዊ ኮሚቴ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ሰበስልጣን ክልል ትግራይን ሚንስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ዶ\ር ኣብርሃም በላይን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተራኺቡ ብዛዕባ "ሃለዋቱ ናይ ምጥፋእ ሓደጋ ኣንፀላሊዩዎ ኣሎ’’ ዝበሉዎ ብሄረሰብ ኢሮብ ምዝታዮም ሓደ ኣባል እቲ ኮሚቴ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊፁ። ንኣመሓደርትን ነበርትን ወረዳታት ጉለ መኸዳን ኢሮብን፣ ንመግለፅታት መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብምጥቓስን ብዛዕባ እቲ ዞባ ኣፍልጦ ንዘለዎም ተንተንቲ ብምዝርራብ ዝተዳለወ ፕሮግራም ኣብዚ ምክትታል ይክኣል።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG