ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ውዕል ምቁራፅ ተፃቦታት ፕሪቶሪያን ዕንቅፋታቱን


ውዕል ምቁራፅ ተፃቦታት ፕሪቶሪያን ዕንቅፋታቱን
please wait

No media source currently available

0:00 0:54:46 0:00

ውዕል ምቁራፅ ተፃቦታት ፕሪቶሪያን ዕንቅፋታቱን

ኣብ መንጎ ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተፈረመ ስምምዕ ምቁራፅ ተፃብኦ ካብ ዝፍረም ልዕሊ 16 ኣዋርሕ ኣቑፂሩ ኣሎ። ድምፂ ቶኽሲ ስቕ ክብል ካብ ምግባርን መሰረታዊ ዝብሃሉ ኣገልግሎታት ካብ ምኽፋትን ወፃኢ እቶም ቀንዲ ነጥብታት ናይቲ ስምምዕ ብዘይምፍፃሞም እቲ ደውታ ካልእ ሽግር ሒዙ ከይመፅእ ብዙሓት ስግኣቶም ይገልፁ ኣለው።

ብዛዕባ እዚ ርእይቶታት ክህቡና ተሓባባሪ ፕሮፌሰር ሰብኣዊ መሰላትን ገበናዊ ፍትሒን ዩኒቨርስቲ መቐለ ኣብርሃ መሰለ ዝናቡን ክኢላ ስነ ቅየሳ ዝኾነ ግን ንፖለቲካዊ ምዕባለታት ኢትዮጵያ ዝከታተልን ኤርሚስ ኣማረ ካብ ኒው- ዮርክ ኣዘራሪብናዮም ኣለና።

እቲ ስምምዕ ከይፍፀም ቀንዲ ዕንቅፋት ኮይኑ ዘሎ ኣብቲ ስምምዕ ዝሰፈረ ኣብ መንጎ እቶም ፈረምቲ ወገናት ክካየድ ዝነበሮም ፖለቲካዊ ልዝብ ብዘይምክያዱን ነቲ ስምምዕ መፈፀሚ ዝኾኑ ዝርዝር መስርሓት ብንፁር ስለዘይተቐመጡን እዩ ይብል ኣብርሃ መሰለ ዝናቡ። ኤርሚያስ ብወገኑ ኣብ መሪሕነት ክልል ትግራይ ዝተርኣየ ናይ ስልጣን ንሕንሕን ዕንይንይን ፌደራል መንግስቲ ነቲ ስምምዕ ንክይፍፅም ኣተባቢዑዎ እዩ ይብል።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG