ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቢንያም ግርማይ ኣብ ውድድር “ሰርፍ ኮስት ክላሲክ” ቀዳማይ ወጺኡ


 ቢንያም ግርማይ ኣብ ሰርፍ ኮስት ክላሲክ
ቢንያም ግርማይ ኣብ ሰርፍ ኮስት ክላሲክ

ተቐዳዳሚ ኢንተርማርሸ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ረቡዕ 24 ጥሪ 2024 ኣብ ኣውስትራልያ ዝተኻየደ “ሰርፍ ኮስት ክላሲክ” (Surf Coast Classic) ዝተባህለ ውድድር ቀዳማይ ወጺኡ።

ቢንያም ነቲ 158 ኪ.ሜ. ዝሽፈነ ውድድር ናይ መወዳእታ 5 ኪ.ሜ ርሕቐት ምስ ጋንታኡ ብዘካየድዎ ዝተወሃደ ቴክኒክ በቲ ዝልለየሉ ቅጽበታዊ ውድድር ንዕውታት ዓበይቲ ውድድራት ኢልያ ቪቭያኒን ኮርቢን ስትሮንግን ብምቕዳም ቀዳማይ ኮይኑ ውድድሩ ዛዚሙ’ሎ።

“ሰርፍ ኮስት ክላሲክ” ኣቐዲሙ ሬስክ ቶርኪ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ ኣብ ኣውስትራልያ ዝካየድ ኣብ 2020 ዝጀመረ ናይ ሓደ መዓልቲ ውድድር’ዩ።

ቢንያም ድሕሪ’ቲ ዓወት ምስ ካድል ሮድ ሬስ ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መሕትት በቲ ዓወት ዝተሰምዖ ሓጎስ ብምግላጽ፡ ኣቐዲሙ ኣብ ውድድር ቱር ዳውን ኣንደር ብዝተረኽበ ዓወት፡ እታ ጋንታን ንሱን ኣብ ጽቡቕ ቍመናን ምትእምማንን ምህላዎም ገሊጹ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኒው ኣፍሪካን (New African) ዝተባህለ መጽሔት ኣብ ዓመተ 2023 –100 ጸለውቲ ዜጋታት ኣፍሪቃ ካብ ዝዀኑ ዜጋታት ንቢንያም ግርማይ ኣብ መዳይ ስፖርት ረቚሑዎ ኣሎ። እዚ ዝርዝር ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ዓመት ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ጸላዊ ኣበርክቶ ዝገበሮ መንእሰያት ይረቍሕ። ቢንያም ኣብ ቀረባ ኣብ ዝተፈላለየ ዓለምለኸ መድረኻት ብዘመዝገቦ ዓወታት ናብዚ ዝርዝር ምእታው’ውን መጽሄት ኒው ኣፍሪካን ትገልጽ። ቢንያም ዓወቱ ጥራይ ዘይኾነ ንኻልኦት ኣፍሪቃውያን ኣትሌት ኣብነታዊ ብምዃኑ’ውን ናብዚ ክብሪ ምብቕዑ እቲ ዝርዝር ኣስማት እቶም 100 ጸለውቲ ኣብ ዝወጻሉ እዋን ተገሊጹ’ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG