ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቍጽሪ ግዳያት ሽበራዊ መጥቃዕቲ ሩስያ 139 ደዪቡ


ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ “መን ከም ዝኣዘዞ ንምፍላጥ’ዩ ዝቕጽል ስራሕና።”
ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ “መን ከም ዝኣዘዞ ንምፍላጥ’ዩ ዝቕጽል ስራሕና።”

ኮሚተ መርመራ ሩስያ ትማሊ ወግዓዊ ከም ዝገበሮ፡ በቲ ኣብ ሙዚቃዊ ምርኢት ክሮኮስ ዝሞቱ ዜጋታት ብዝሖም ናብ 139 በጺሑ ኣሎ። እቲ ብዓርቢ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብእስላማውያን ጥሩፋት ጉጅለ ዝተተለመ ኰይኑ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ብደቂቕ መደብ ከም ዝፈጸሙዎን ዘተግበሩዎን እቲ ኮሚተ ኣብ ጸብጻቡ ኣነጺሩ ኣሎ። ተወሳኺ 182 ዜጋታት በቲ መጥቃዕቲ ምቝሳሎም ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣብቲ ግብረ-ሽበራዊ መጥቃዕቲ ኢድ ነይሩዎም ዝተባህሉ ኣርባዕተ ጥርጡራት ትማሊ ሰኑይ ምትሓዞም ይፍለጥ።

እቲ መጥቃዕቲ ብጥሩፋት ሰዓብቲ እስልምና ዝተፈጸመ ምዃኑ ዘመልከተ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ “መን ከም ዝኣዘዞ ንምፍላጥ’ዩ ዝቕጽል ስራሕና፡” ኢሉ።

እቶም ጥርጡራት ናብ ዩክሬን ክሰግሩ ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን’ዮም ተታሒዞም። ዩክሬን ግን ኣብቲ መጥቃዕቲ ኢድ ከም ዘይብላ ገሊጻ ኣላ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG