ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካሜሮን -- ደገፍቲ ንወዲ 91 ፖል ቢያ ኣብ ምርጫ 2025 ክሳተፍ ይምሕጸኑ


ፕረዚደንት ፖል ቢያ ካብ 1982 ኣትሒዙ ንካሜሮን ዝመርሐን ዝመርሕ ዘሎን'ዩ
ፕረዚደንት ፖል ቢያ ካብ 1982 ኣትሒዙ ንካሜሮን ዝመርሐን ዝመርሕ ዘሎን'ዩ

ኣማኢት ካሜሮናውያን፡ ንወዲ 91 ዓመት ፕረዚደንት ፖል ቢያ ኣብ ዝመጽእ ፕረዚደንታዊ ምርጫ 2025 ንኽሳተፍ ዝጽውዕ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካዪዶም። ኣባላት ሰልፊ ህዝባዊ ደሞክራዊስያዊ ምንቅስቓስ ዝዀኑ ኣባላት ድሕሪ ኣኼባኦም፡ ብሰንበት ናብ ርእሰ-ከተማ ያውንደ ብምውሓዝ ነቲ ካብ 1982 ኣትሒዙ መራሒ እታ ሃገር ዘሎ ቢያ፡ ሕጹይ ናይቲ ሰልፊ ኰይኑ ንፕረዚደንት ክወዳደር ዝጽውዕ ጭርሖታት የስምዑ ነይሮም።

ደገፍቱ ፕረዚደንት ፖል ቢያ ቍጠባዊን ፖለቲካዊን ምርግጋእ ምፍጣሩ ይዛረቡ።

እቲ ሳሕቲ ኣብ ህዝባዊ ኣጋጣሚታት ዝርአን ዝርከብን ቢያ ንዝመጽእ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ክወዳደር እንተዀይኑ ዛጊት ኣየነጸረን።

ብፖል ቢያ ዝተመስረተ ቤት ምኽሪ ዓበይቲ-ዓዲ ካሜሮን፡ እቲ ፕረዚደንት ንሽዱሽተ ሽሕ ኪሎሜተር ዝዝርጋሕ ጽርግያ ምስራሑ፡ ናብ ርሑቕ ገጠራትን ከተማታትን ቀረባ ማይን ኤለክትሪን ምዝርጋሑ ይንእዱ።

ተቓወምቱ ግን ድሒሩ ኣብ ዝጀመረ ውግእ ሓድሕድ ኣብ መንጎ ተዛረብቲ ቋንቋ ፈረንሳይን እንግሊዝን ህይወት ኣስታት ሽዱሽተ ሽሕ ዜጋታት ስለ ዝወሰደ፡ ቢያ ከም ተሓታቲ የቕርቡ።

“እቶም ደገፎም ንምርኣይ ሰለማዊ ሰልፊ ዝገበሩ ዝተኸፍሉ’ዮም፡” ዝበሉ ተቓወምቲ’ውን እታ ሃገር ከምኡ ኢላ ክትበታተን ስቕ ኢሎም ከም ዘይርእዩ ይዛረቡ። ንሳቶም ከም ዝብሉዎ ነታ ብባህርያዊ ጸጋታት ሃብታም ዝዀነት ሃገር ናብ ቍጠባዊ ድከትን ሰብኣዊ ቅልውላውን መሪሑዋ ይብሉ።

ወዲ 91 ፖል ቢያ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ዝዓበየ መራሒ ሃገር ምዃኑ ይፍልጥ። ነቲ ጎረቤቱ ዝዀነ መራሒ እኳተሪያል ጊኒ ቲዮደር ኦቢያንግ ምባሶጎ ስዒቡ ድማ ኣብ ስልጣን ዝነውሐ ዝጸንሐ መራሒ’ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG