ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዲፕሎማሲ ኤርትራ እንተተለወጠ'ዃ እሱራት ፖለቲካ ግን ኣይተፈትሑን ክብል ሁማን ራይትስ ዎች ኣፍሊጡ


ኤርትራ ዲፕሎማስያዊ ለውጢ እንተገበረት’ኻ ግን እሱራት ገና ኣይተፈትሑን ክብል ተሓላቂ ሰብኣዊ መሰላት ሁማን ራይትስ ዎች አፍሊጡ።

እቲ ትካል ወሲኹ ኣብ ቀረባ ዝተገብረ ማእሰርቲ ሚንስተር ፋይናንስ ነበር ብርሀነ ኣብርሀ’ውን ሜላ ጭቆና ቀፂሉ ከምዘሎ ዘርኢ ዘሻቅል ምልክት’ዩ ኢሉ’ሎ።

ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ስምምዕ ሰላም ድሕሪ ምግባራ ኣብ ኤርትራ ነቶም ንብዙሕ ዓመታት ዝተኣሰሩ እሱራት ፖሎቲካ ለውጢ ክመፅእ’ዩ ዝብል ተስፋ እንተነበረ’ኻ ዛጊት ዝተራእየ ለውጢ የለን ክብላ ኣብቲ ተሓላቂ ሰብኣዊ መሰላት ዳይሬክተር ምብራቅ አፍሪቃ ማርያ ብርነት ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ገሊፀን።

ኤርትራ እሱራት ክትፈትሕን መሰል ሓሳብካ ናይ ምግላፅ ገደብ ኣልቦ ሃገራዊ አገልግሎት ናብ 18- አዋርሕ ክትመልስን እቲ ጉጅለ ፀዊዑ።

ብዛዕባ’ዚ መግለፂ ሁማን ራይትስ ዎች ምላሽ መንግስቲ ኤርትራ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰለጠን።

እቲ ጉጅለ ተሓላቂ ሰብኣዊ መሰላት ዘውፅኦ ናይ ፅሑፍን ቪድዮን መግለጺን ከምኡ’ውን ድምጺ ኣሜሪካ ምስ ናይቲ ጉጅለ ዳይሬክተር ምብራቅ ኣፍሪቃ ዘካየደቶ ቃለ-መጠይቅ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ምሉእ ጸብጸብ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሁማን ራይት ዎች ኣብዚ ምንባብ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG