ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ ኣብ ውግእ ትግራይ ዘለዋ ተራ ዝምልከቱ ሪፖርታት ኣብ ዝወጽሉ እዋን፣ ተራ ኤርትራ ዝምልከቱ ሕቶታት ይለዓሉ


‘ኤርትራ ኣብ ውግእ ክልል ትግራይ ዘለዋ ተራ ዝምልከቱ ሪፖርታት ኣብ ዝወጽሉ እዋን፣ ተራ ኤርትራ ዝምልከቱ ሕቶታት ይበጋገሱ ኣለው’። መንግስቲ ኤርትራ ‘የለኹሉን’ ዋላ’ውን እንተበለ፣ ሓደ ፍሉጥ ላዕለዋይ ወታሃደራዊ ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ግና ‘ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ውግእ ክልል ትግራይ ይሳተፉ ከምዘለው ኣረጋጊጹ ኣሎ’።

ሜጀር ጀነራል በላይ ስዩም ‘ሰራዊት ኤርትራ ናብ ውግእ ኣብ ክልል ትግራይ ኣትዮም እዮም’ ምባሎም ምስ’ቲ ሰበ ስልጣን ኣሜሪካን ካልኦት ግዳማዊ ተዓዘብቲን ብመሰረት ሳተላይታዊ ጭብጢታት ተመርኪሶም ዝብልዎ ዝነበረ ዝቃዶ ኮይኑ ኣሎ።

ኣብ ኦንታርዮ ካናዳ ዩኒቨርስቲ ኩን ዝነጥፍ ዶ/ር ዓወት ወ/ሚካኤል ብወገኑ ‘ተሳትፎ ኤርትራ ኣብ’ቲ ውግእ ካብ ፈለማ መዓልቲ’ቲ ውግእ አትሒዙ ዝፈለጥናዮ ሓቂ እዩ’ ይብል።

አዛዚ ሰራዊት እዚ ሰሜን ኢትዮጵያ ሜጀር ጀነራል በላይ ስዩም ‘ዘይተደለየ ወጻእተኛ ሰራዊት ኣትዩ’ሎ’ ኢሎም።

ኣብ ከይዲ እቲ ውግእ፣ ሰራዊት ኤርትራ ንኣብ ክልል ትግራይ ዘዕቆቡ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣጥቂዑን ጨውዩን ተባሂሉ’ውን ብኣህጉራዊያን ተዓዘብቲ ተኸሲሱ ኣሎ። ካብ ሃገሮም ዝሃደሙ 96 ሽሕ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣብ ክልል ትግራይ ተዓቑቦም ምህላዎም ይፍለጥ።

እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ ኣሜሪካዊያን ሴነተራት ኮርይ ቡከርን ቶድ ያንግን ኣብ ሓባራዊ መግለጺኦም ‘እቲ ተግባር ደው ንክብል ጸዊዖም’ ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።


XS
SM
MD
LG