ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተንተንቲ: ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘይምርግጋእ ነቲ ዞባ ከይጸልው የስግእ ይብሉ


ንዓመታት ብዓሌታዊ ዘይምስምማዓት ክትሳቀ፟ ዝፀንሐት ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስትን ሰራዊት ክልል ትግራይን ዝተላዕለ ዂናት ምናልባት ናብ ዘይምለሰሉ ኩነታት ዘምርሕ ዘሎ ይመስል ክብሉ ተንተንቲ ፖለቲካ ስጋኣቶም ይዛረቡ ።

ኣብ ኦስሎ ዩንቨርሲቲ Bjorkens ሰላምን ኣተኣላልያ ጎንፅን ፕሮፌሰር kjetil Tronvoll “ኣብ ዱርኩኺት ውግእ ሕድሕድ ንርከብ ኣይኮንናን ንብል ዘለና ኢትዮጵያ ኣብ ማእከል ኲናት ሕድሕድ ኣላ ኢና ንብል ዘለና “ ይብል ።

ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ይካየድ ብዘሎ ጎንፂ ብኣማኢት ዝቁ፟ፀሩ ሰባት ምሟቶምን ብሰንኪ እቲ ቅልውላው ኣገልግሎት ኢንተርኔት ብምቁራፁ ወሃብቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብቲ ኸባቢ ዘሎ ኩነታት ንምርዳእ ኣፀጋሚ ከምዝኾኖምን ተንተንቲ ይዛረቡ ።

ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት(UNHCR) ብወገኑ፥ ብሰንኪ'ቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ኩናት ካብታ ሃገር ዝሃድሙን ዘስዕቦ ሰብኣዊ ቅልውላውን ከም ዘሻቕሎ ሓቢሩ'ዩ።

ካብ ግዝኣት ማሳቹሰትስ ዝተወከለት ኣባል ባይቶ ኣሜሪካ ኣያና ፕረስሊ ብወገና ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ክልል ትግራይ ዘለዉ ሰበስልጣንን ዝንህር ዘሎ ግጭት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ቀቲሉ'ሎ ብምባል ንምቁራጽ ተኹሲ ክልቲኦም ወገናት ንዝግበር ጻውዒት ከምእትድግፍን ሓይሊ ኤለክትሪክን መራኸብን ናብ ዝነበሮ ክምለስን ጸዊዓ።

ንሳ ኣስዒባ ዝተናውሐ ግጭት ንኢትዮጵያን ኣብቲ ዞባን ዘይምርግጋእ ከስዕብ ይኽእል'ዩ ዝብል ስኽፍትኣ ገሊጻ'ላ።

ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ፥ መራሕቲ ህወሓት ናብ ፍርዲ ከይቀረቡ እቲ ወተሃደራዊ ስጉምቱ ደው ከምዘይብል ትማሊ 'ውን ዳግማይ ኣፍሊጡ'ዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።


XS
SM
MD
LG