ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሪፖርት፡ ተማሃሮ ካልአይ ደረጃ መዓስከር ሳዋ ንግዱድ ስራሕን ዓመጽን ይቃልዑ


መብዛሕትኦም መንእሰያት አብ ናይ መወዳእታ ዓመት ካልአይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ክበጽሑ ኸለው ናይ መጽናዕቲ፥ ስፖርት፤ ከምኡ’ውን ኣብ ስነ ጥበባዊ መድረኻት ንምስታፍ ይቀራረቡ። ብአንጻሩ አብ ኤርትራ፤ ብሰንኪ ደረት ዘይብሉ ኣገልግሎትን ወታሃደራዊ ታዕሊም ዝተሓወሶ ቤት ትምህርቲን፤ መንእሰያት ኣካላዊን ስነ ኣእምሮኣዊን ማህሰይቲ ይወርዶም ኣሎ ክብል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት(Human Rights Watch) ኣብ ሓድሽ ዘውጽኦ ጸብጻብ ገሊጹ።

እቲ 84-ገጽ ዝሓዘ “ናይ ትምህርቲ ዕድል ብምኽላእ ጊልያታት ከምንኽውን ይገብሩና ኣለዉ፤ ገደብ‐ኣልቦ ዕስክርና ብኸመይ ንመሰል ትምህርቲ መንእሰያት ኤርትራ ከምዝእግድ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተዳለወ ጸብጻብ ፤ ምስ 73 አቐዲሞም አብ ሳዋ ተማሃሮ ካልአይ ደረጃ ዝነበሩን መማህራንን ብዛዕባ አብ መዓስከር ዘሕለፍዎ ሂወት ቃለ መጠይቕ ብምክያድ ዝተሰነደ እዩ።

ሰበ ስልጣንን ሓለፍቲን ንተማሃሮ ብናይ ወታሃደራዊ ኣመራርሓ ከምዝመርሑን ስራሕ ተገዲዶም ከምዘስርሑን ሁማን ራይትስ ዎች ይሕብር። ብኣገዳስነት ዘይብሉን ቐሊል ጥፍኣትን መቕጻዕቲ ንተማሃሮ ከምዝወርዶም እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ይገልጽ። መማህራን ብወገኖም ተገዲዶም ስለ ዝምህሩ ናይ ዘይምግዳስ መንፈስን ተደጋጋሚ ቡኩራት የርእዩ።

ለቲሻ ቤደር ናይ ኣፍሪቃ ተዓዛቢ ሰብኣዊ መሰላት ላዕላወይቲ ተማራማሪት እያ። እዚ ስርዓት ቤት ትምህርቲ መዓስከር ሳዋ ንተማሃሮን መማህራንን ሓገዝ ኣልቦ ስምዒት ከምዝስምዖም ይገብር ትብል።

“አብ ናይ መጻኢ ሂወቶም ምቁጽጻር ዘይብሎም ኮይኑ ይስምዖም። ብፍላይ አብታ ናይ መወዳእታ ዓመት ካልአይ ደረጃ ክበጽሑ ከለው መንፈሶም ከም ተማሃራይ ንምዃን የጸግሞም። ብሕልፊ ኣብ ወታሃደራዊ ሃዋህው ከም ተማሃራይ ንምሕሳብ አጸጋሚ እዩ።”

ኣብ 2003 ዓ.ም ተማሃሮ 12 ክፍሊ ትምህርቶም ኣብ ሳዋ ከምዝቕጽሉ ትእዛዝ ተመሓላሊፉ። ካብቲ ጊዜ’ቲ ጀሚሩ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣስታት 11,000 ክሳብ 15,000 ዝኾኑ ተማሃሮ ናብ መዓስከር ሳዋ ይኸዱ። ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት(HRW) እቲ መዓስከር ብትሪኮላታን ብዝተዓጥቁ ሰራዊት ሓለዋ ከምዝግበረሉን ከም ዓብይ ቤት ማእሰርቲ እዩ ክብል ኣብ ዘውጽኦ ሪፖርት ሓቢሩ።

እቲ ሪፖርት ተማሃሮ ናብ መዓስከር ሳዋ ንኸይከዱ ትምህርቶም የቋርጹ ከምዝገብር ይሕብር። ብተወሳኺ ተማሃሮን መማህራንን ሂወቶም ኣብ ሓደጋ ብምእታው ካብ ሃገር ከምዝስደዱ’ውን ይገልጽ። ኣቐዲሞም ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝተማሃሩ ወታሃደራዊ ትልሚ፤ ካብ መጽለሊኦም ወጻኢ ንሕሉፍ ዋዒ ዘለዎ ኩነታት ኣየር፡ ንሕጽረት መግብን ማይን ከምዝቃልዑ ይሕብሩ።

ሓደ ወዲ 19 ዓመት ኤርትራዊ መንእሰይ ንተዓዛቢ ሰብኣዊ መሰላት ብዝሃቦ ቃል፤ “ሳዋ ገሃነም እዩ። ብዝተኸአሎም መጠን ንኽትገድፎ ይደፋፍኡኻ።” ብተወሳኺ “ ካብ ፈለማ ወርሒ ደወል ሰዓት 5 ምስተቃጨለት ካብ ድቃስና ብምትንሳእ ፤ ጉያ ናብ ቤት ንጽህና፡ ሓሙሽተ ደቒቕ ይወሃበና። ሓሙሽተ ደቒቕ ንዲቪዛ ምቅያር ነዚ ብዝተወሃበካ ጊዜ እንተዘየማሊእካ መቕጻዕቲ ይስዕብ” ይብል።

ሚንስትር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ነዚ ሪፖርት ሁማን ራይት ዎች ኣብ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ብትሪ ከምዚ ክብሉ ነጺጎሞ።

"ግቡእ ኣቃውማ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ኣሰራርዓ ምክልካል ኤርትራ ፡ ቅድሚ ኹሉ መሰልንን ስልጣንን መንግስትን ህዝቢን ኤርትራ'ዩ። እቲ ንምምጽዳቕ ዝህብዎ ምኽሪ ነቲ ሕቡእ ኣጀንድኦም ክኽውሎ ዝክኣል ኣይኮነን።”

ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት(HRW) መማህራን ከም ኣብ መጻወድያ ዘለው ኮይኖም ከምዝስምዖም ገሊጹ። ሓደ መምህር ነቲ ኩነታት ክገልጽ ከሎ “ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናይ ፊዚክስ መምህር ኮንኻ እንድሕር ጀሚርካ፤ ኣኺሉካ ፊዚክስ መምህር ንዘልኣለምካ ትኸውን” ክብል ነቲ መንፈስ ምዕጻው ዕድል ገሊጹ።

“መማህራን ልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ መዓስከር ተገዲዶም ከምዝምህሩ ገሊጾምልና። ዋላ’ኳ ክፍነው እንተጸዓሩ ከምዘይሰለጦም ይሕብሩ።”

ኣብ መወዳእታ ሰላም ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ ዝመጽእ እዚ ኣሰራርሓ ከም መመኽነይታ ክቕጽል ከምዘይብሉ እቲ ኣካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ይላቦ። መንግስቲ ገደብ ናይ ግዜ ሂቡ ከጣይስ ክጅምር ተማሃሮ ካብ ውትህደርና ወጻኢ ትምህርቶም ክመሃሩ ተወሳኺ ለበዋ ኣቕሪቡ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG