ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

`ለውጥን ምምሕያሽን ብጻዕሪ ክመጽእ ከምዝኽእል ብኣተሓሳስባ ደረጃ ምእማን` ኣብነታዊ መንእሰይ ኣያሌው ሓጎስ


መንእሰይ ኣያሌው ሓጎስ
መንእሰይ ኣያሌው ሓጎስ

ሓደ ካብኣቶም ኣብ ከተማ መቐለ ቀበሌ 18 ዝነብር መንእሰይ ኣያሌው ሓጎስ ይርከቦም

ኣብ ትግራይ ዓርሶም ዕድል ስራሕ ዝፈጠሩ መናእሰይ ኣብ መነባብሮኦም ርኡይ ለውጢ የመዝግቡ ኣለዉ። ሓደ ካብኣቶም ኣብ ከተማ መቐለ ቀበሌ 18 ዝነብር መንእሰይ ኣያሌው ሓጎስ ይርከቦም።

ኣያሌው (ኣዩ) ኣብ ቁልዕነት ዕድሚኡ ካብ ወለዲኡ ዝወረሶ ሞያ ስራሕቲ ውፅኢት ዕንፀይትን ሓፂንን ብትምህርታዊ ስልጠና ኣደጊፉ ኣማዕቢሉዎ። ኣብዚ ሐዚ እዋን ባዕሉ ዝውንኖ ማእኸል ከፊቱ ሸሞንተ መናእሰይ ቆፂሩ ስራሕቱ ብዝላዓለ ቕልጣፈ ኣብ ምፍፃም ይርከብ።

ኣዩ ፈጢረዮ ዝብሎ ለውጥን ምምሕያሽን ቅድሚ ኹሉ ክሰርሕ ከምዝኽእል ብኣተሓሳስባ ደረጃ ምእማኑን ሰሪሑ ብውፅኢት ከምስክር ምኽኣሉን ምዃኑ ይገልፅ። ብደረጃ ለውጢ ናብራ ድማ ናተይ ዝብሎ ባዕሉ ዝውንኖ ስራሕ ፈጢሩ’ሎ፣ ንባዕሉን ንወላዲቱን መንበሪ ኣባይቲ ሃኒፁ’ሎ፣ ንስርሑ ዘገልግለኦ መኪናን ሞተር ሳይክልን ዓዲጉ’ዩ ኮታስ ባዕሉን ስድርኡን ካብ ገፅ ምርኣይ ኣኒጊፉ’ሎ።

ኣዩ ወላዲኡ ኣብ ዕድመ ቁልዕነቱ ብሞት ምስ ሰኣነ ምስ ኣዲኡ እዩ ዓብዩ፤ ፍልፍል ጥንካርኡን ሰናይ ባህርያቱን ድማ ንሰን ወላዲቱ ምዃነን ደጋጊሙ ይገልፅ።

ንእስነት ከየስደዖ ካብ ዓቐን ዝሓለፎ መስተን ካልኦት ወልፍታት ምሉእ ንምሉእ ፀርዩ ንወላዲቱን ንሕብረተሰቡን ሓበን ምዃኑ ብግብሪ ኣመስኪሩ እዩ ይብላ ወላዲቱ ወይዘሮ ጥዕምቱ በርሀ።

ኣዩ ወዲቑ ዝረኸቦ 80 ሽሕ ቕርሺ ዝሓዘ ቼክ ዘይናተይ ኣይደልን ብምባል ንዝምልከቶ ኣብ መቐለ ጨንፈር ባንኪ ኦሮምያ ዘረከበ ምስጉን መንእሰይ እውን እዩ።

መናእሰይ ኣብ ዓዶም ሰሪሖም ክነብሩ ዘኽእል ዘተኣማምን ሰላም ምርካቦም ልዕሊ እቲ ካብ መንግስቲ ዝቐርበሎም ዕድል ልቓሕን ስልጠናን ዝያዳ ከስተማቕርዎ ዝግባእ ጸጋ ምዃን ድማ መንእሰይ ኣያሌው ሓጎስ ገሊፁ’ሎ።ንዝርዝሩ የድምፁ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:11:14 0:00
መራገፊ

XS
SM
MD
LG