ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቪኦኤ ንመረረት ገለ ዳያስፖራ ኢትዮዽያውያን መልሲ ሂቡ


ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ
ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ

VOA ኣገልግሎት ቀርኒ ኣፍሪቃ ነቲ ኣብ ቤት ዕዮ ምንስቴር ወፃኢ ዝተካየደ ተቃውሞ ኣመልኪቱ መልሲ ሂቡ‘ሎ። ካብ ኩሎም ወገናት መረረት ከምዝስማዕን፣ ድልየት ሰማዕቱ ንምምላእ ክንዲ ዝካኣሎ ከምዝሰርሕን‘ውን ገሊፁ።

ቪኦኤ ነቲ ብገለ ዳያስፖራ ኢትዮዽያዊያን ኣብ ፊት ንፊት ቤት ዕዮ ምንስቴር ወፃኢ ኣሜሪካ ዘካየድዎ ናይ ተቃውሞ ሰልፊ ስለዝሸፈኖ ዕግበት ይስመዖ ይብል።

ንዝተቃልሑ ቅሬታታት ነኽብሮ ኢና።በቶም ተቃወምቲ ካብ ዝተጠቀሱ ቅሬታ ሓደ፣ንቅኑዕነት ኣፀባፅባ ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ኣገልግሎት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝምልከት ኮይኑ‘ሎ።

ኩሎም ኣገልግሎት ቋንቋታት ቪኦኤ ንቅኑዕነት ፀብፃቦም ብዕቱብ‘ዮም ዝሰርሕሉ። ሕድ ሕድ መዓልቲ፣ቪኦኤ ንቅኑዕነት ዘቃልሖ ዜናን ስራሕቱን ምስ ስሙ ኣዛሚዱ‘ዩ ዝጥምቶን ዝዓየሉን።

ገለ እዋን ግና ርትዓውነትን ሚዛናዊትን ጋዜጠኝነት ካብ ብርክት ዝበሉ ኩርናዓት መረረት ኣስዒቡ‘ዩ።መንግስቲ ንኣፃባፅባና ዓቀኑ ዝሓለፈን ቅኑዕ ኣይኮነን ኢሉ ክነቅፍ ከሎ፣ኣባላት ዳያስፓራ ብወገኖም፣እቲ ኣፀባፅባና ክንዲ‘ቲ ዝድለ ንመንግስቲ ዝነቅፍ ኣይኮነን ይብሉ።

ኣገልግሎት ቪኦኤ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ነቀፌታ ካብ ዝመፀ ይምፃእ ተጊሁን ትኹረት ሂቡን’ዩ ዝሰርሓሉ።ጌጋ ተፈፂሙ‘ሎ ዝብል ቅሬታ ምስ ዝቀርብ ድማ ኣፃሪና ሓቂ እንተኾይኑ ንጌጋና ንስሕብ፣ንእርምን ካብኡ ሓሊፉ ይቅሬታ ንሓትትን።እዚ’ዩ ነዊሕ ዝፀንሐ ፖሊሲና።

ቪኦኤ ዜናን ሓበሬታ ኣብ ዝፍንወሉ ኣብ ጎንና ንዝኾኑ ክነምስግኖም ንፈቱ።እዚ እምነት‘ዚ ንከይሽርሸር ድማ ዕለታዊ ኣበርቲዕና ክንዓዪይ ኢና።

እቶም ኣብ ምንስቴር ወፃኢ ኣሜሪካ ዝተኣከቡ ኣባላት ዳያስፖራ“ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ንህዝቢ ጠጠው ምባሉ ገዲፉ፣ዝተወሰኑ ሰባት ካብ ዝኣተውሉ ጊዜ ጀሚሩ፣ ንህዝቢ ተስፋ ዘቁርፅ መልእኽቲ የማሓላልፍ ስለዘሎ ጠጠው ኣቡልልና“ ዝብል ስምዕታ ኣቃሊሖም‘ዮም።

XS
SM
MD
LG