ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ሴነት ኣሜሪካ፣ ነቲ ንኣፍሪቃ ብኤሌክትሪክ ንምትእስሳር ዘኽእል ሕጊ ኣሕሊፉዎ


Bob Corker
Bob Corker

እቲ ዝሓለፈ ሕጊ ብድጋፍ ብሕታዊያን ትካላት አብ አፍሪቃ ንዘሎ ሕጽረት አገግሎት ኤሌትሪክ ንምቅራፍን ን50 ሚሊዮን ህዝቢ ንመጀምርያ ጊዜ አገልግሎት ኤሌትሪክ፣ 20 ሽሕ ሜጋዋት ከመንጭውን ከቅርብን ትጽቢት ተጌርሉ’ሎ። አብዚ እዋን’ዚ ልዕሊ 600 ሚልዮን ኣፍሪቃዊያን አገልግሎት ኤሌትሪክ ኣይረክቡን’ዮም።

ቀረብ አገልግሎት ኤሌትሪክ ንኢኮኖሚያዊ ዕብየት፣ንምምዕባል ደረጃ ትምህርቲን ጥዕናን’ውን ዓቢ አበርክቶ አለዎ።

“ብዉሑድ ሓገዝ ነቲ ዘለና ዓበይቲ ብድሆታት ንምፍታሕን ሂወት ሚሊዮናት ሰባት ንምቅያርን አብ መሃዝነት ከነተኩር ይግባእ” ይብል አቦ መንበር ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ሚስተር ባብ ኮከር። ንሱ ብተወሳኺ “ንብሕታዊያን አውፈርቲ ዝሰማማዕ ሃዋሁ ብምፍጣር ዘተአማምንን ዋግኡ ዝተመጣጠነን ቀረብ አገልግሎት ኤሌትሪክ ንሚልዮናት ሰባት ብምዝርጋሕ አብ ምምዕባል እታ አህጉርን ኣብ ምንካይ ድኽነትን ዓቢ ተራ አለዎ" በለ።

“ገለ ካብቶም ፕሮጀክትታት ብሓይሊ ጸሓይ ዝሕገዝ ሕርሻታት አብ ሩዋንዳን ኢትዮጵያን ተዓዚበ’የ። እዞም ፕሮጀክትታት ብተወሳኺ ምክፋት ዕድላት አብ ዓውድታት ሕክምናን ትምህርትን ከምኡ’ውን አብ ምምዕባል ኢኮኖሚ ዓቢ’ዩ” ይብል ሴኔተር ኮከር።

XS
SM
MD
LG