ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

እገዳ ኤርትራ ብሓደ ዓመት ተናዊሑ


Image of Russian fly-over near guided-missile destroyer USS Donald Cook in Baltic Sea as provided by the U.S. Navy 6th Fleet.
Image of Russian fly-over near guided-missile destroyer USS Donald Cook in Baltic Sea as provided by the U.S. Navy 6th Fleet.

ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/ሃ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘንበሮ እገዳ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ኣናዊሕዎ።ብዘይካ‘ዚ፣ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነብረ ማዕቀብ ምልዓሉን ዘይምልዓሉን ዝውሰን መንግስቲ ኤርትራ ብዝወስዶ ስጉምቲ‘ዩ ኢሎም ፕረዚደንት‘ቲ ቤት ምኽሪ ኣምባሳደር እንግሊዝ ማርክ ልያል ግራንት።

እቲ ቤት ምኽሪ ንስልጣን ዓቃቢ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማልያ ከምኡውን ንተቆፃፃራይ ጉጅለ ኤርትራን ሶማልያን ዘናወሐ ዝሓለፈ ዓርቢ‘ዩ።

ብመሰረት‘ዚ እገዳ ኣፅዋር ን12 ኣዋርሕ ክናዋሕ፣ሓይልታት ባሕሪ‘ውን ኣፅዋር ናብ ኣል-ሸባብ ንከይሓልፍ፣ከሰል ካብ ኣል-ሸባብ ዝቆፃፀሮም ከባቢታት ንከይወፅእ ክቆፃፀር ስልጣን ሂቡ‘ሎ።

ፕረዚደንት‘ቲ ቤት ምኽሪ ኣምባሳደር ማርክ ልያል ግራንት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ”ጉጅለ ተቆፃፀርቲ ብተደጋጋሚ ኣብ ዘቅረብዎ ሪፖርት፣ኣል-ሸባብ ካብ ኤርትራ ሓገዝ ይረክብ ከምዝነበረ ሓቢሮም‘ዮም።ኣብ‘ዚ ዳሕረዋይ ሪፖርት ግና ነክዩ‘ሎ፣እዚ ድማ ዘተባብዕ‘ዩ” ኢሎም።

ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነበረ እገዳ ምልዓልን ዘይምልዓልን ግና ኣብ ኢድ መንግስቲ ኤርትራ‘ዩ ዘሎ ኢሎም ንሶም።

ሚስተር ማርክ ልያል ወሲኾም”ኤርትራ ንኣል-ሸባብ ምድጋፍ ኣቋሪፃ እንተኾይና ስለምንታይ‘ዩ ንጉጅለ ተቆፃፃሪ ናብ ኣስመራ ክኣቱ ዘይትፈቅድ? ንረኺቦም ከዘራርብዎ ዝደለይዎ ሰብ ከዘራርቡ ኣለዎም።ናይ‘ዚ ፀገም‘ዚ ፍታሕ ኣብ ኢድ መንግስቲ ኤርትራ‘ዩ ዘሎ” ኢሎም።

XS
SM
MD
LG