ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደቡብ ሱዳን ንትግባረ ሰነድ ሰላም ቅርብቲ’ላ ኢሎም ሚኒስትር ወጻኢ’ታ ሃገር


መንግስቲ ሱዳን ነቲ ምስ ተቃወምቲ ዝሓለፈ ነሓሰ ዝተኸትመ ውዕል ሰላም ንምትግባር ቅሩብ ከምዝኾነ ሚኒስትር ወጻኢ ደቡብ ሱዳን ገሊጾም።

እዚ መግለጺ ዝተዋሃበ፣ ደቡብ ሱዳን ብመሰረት ውዕል 26 ነሓሰ፣ ሰራዊቱ ካብ ጁባ ምስሓብ ድሕሪ ምጅማሩ’ዩ።

ሚኒስትር ወጻኢ በርናባ ማርየል ቤንጀሚን ማሕበረ-ሰብ ዓለም ንትግባረ’ቲ ውዕል ሰላም ሎጂስቲካዊ ሓገዝ ዝልግሰሉ እዋን ሎሚ እዩ ኢሎም። ብተወሳኺ ንሶም ገለ ምድንጓይ እንተጋጢሙ ተሓተቲ፣ ተቃወምቲን ኢጋድን’ዮም’ውን ኢሎም።

ሚስተር ቤንጀሚን መንግስቶም ንትግባረ’ቲ ሰነድ ሰላም ዝከአሎ ከምዝገበረ ንህዝቢ ደቡብ ሱዳንን ማሕበረ-ሰብ ዓለምን ዘርእየሉ ወቅቲ ኢና ንርከብ'ውን ኢሎም።

ሰነድ ሰላም 26 ነሓሰ፣ ልፍንታዊ መንግስቲ ቆይሙ 30 ኣዋርሕ ዝዕድሚኡ መሰጋገሪ መንግስቲ ንክምስርቱን ድሕሪ 3 ዓመት ምርጫ ንክካየድ ብዘይካ’ዚ ኣብ ጁባ ዝተመደቡ ዕጡቃት ኣብ ውሽጢ 3 ኣዋርሕ ካብ’ታ ከተማ ብ15 ማይል ንክርሕቁ ይጽውዕ።

XS
SM
MD
LG