ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተቐናቐንቲ ደቡብ ሱዳን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተራኺቦም


FILE - South Sudan's President Salva Kiir (L) is seen shaking hands with rebel leader Riek Machar (R) following a previous round of peace talks.
FILE - South Sudan's President Salva Kiir (L) is seen shaking hands with rebel leader Riek Machar (R) following a previous round of peace talks.

ተነሓናሕቲ ደቡብ ሱዳን ንዘተ ሰላም እንደገና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተራኺቦም።ኣደራደርቲ እዚ ናይ መወዳእታ ናይ ልዝብ ዙር እዩ ኢሎምዎ ኣለው።

እቶም ተነሓናሕቲ ኣብ ስምምዕ ዘላቒ ስላምን መቐሎ ስልጣንን ክበፅሑ 10 ማዕልታት ተሪፉዎም ኣሎ።ሕብረት ኣፍሪካን ኢጋድን ክሳብ 5 መጋቢት 2015 ኣ/ፈ ክሰማምዑ ብተደጋጋሚ የጠንቅቑ ኣለው።

ነቲ ልዝብ ይመርሖ ናይ ዘሎ ኢጋድ ዋና ኣደራዳሪ ኣቶ ስዩም ስዩም መስፍን እዚ ናይ ሎሚ ልዝብ ንደቡብ ሱዳን ናይ መወዳእታ ዕድል እዩ ኢሎም።

ቅኑዕ ልዝብ እንካ ሃባ ክካየድ ኣለዎ ምስ በሉ ኣቶ ስዩም ብምስዓብ ‘’ሓደ ሚያዚያ ቅድመ ስግግር ክጅመርን ቅድሚ ትሽዓት ሓምለ መሰጋገሪ ናይ ሓድነት መንግስቲ ኣብ ግብሪ ክውዕልን እቲ ልዝብ ክሳብ 5 መጋቢት ክዛዘም ኣለዎ ዝብል ተላዘብቲ ዝተሰማምዕሉ ክኽበር ኣለዎ’’ኢሎም።

ፀጥታ፣ቁጠባ፣ፍትሕን ሰብኣዊ ጉዳያትን እውን ኣብቲ ልዝብ ዝቐርቡ ኣጀንዳታት እዮም።ኣብ ጉዳያት መሪሕነትን ምሕደራን ዝጥምት ሓደ ኮሚቴ ኣሎ።ክልቲኦም ወገናት ኣብ መኽፈቲ እቲ ልዝብ ድልውነቶም ደጊሞም ኣረጋጊፆም ኣለው።ቅድሚ ሎሚ ብርክት ዝበሉ ውዕላት ተፈሪሞም እዮም።ክልቲኦም ወገናት ንውዕል ጠጠው ምባል ተፃብኦ ምጥሓሶም ዘረጋግፅ ሓበሬታ ኣሎ ይብል ኢጋድ።

ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት መንግስታት ማዕቐብ ሓዊሱ ኣብ ጉዳይ ደቡብ ሱዳን ኣብዚ ሕዚናዮ ዘለና ሰሙን ውሳነ ከሕልፍ ትፅቢት ይግበር።

ምንስቴር ሓበሬታ ደቡብ ሱዳን ማይክል ማክዩ ግን ማዕቐብ ንነግራት ካብ ምትሕልላኽ ካሊእ ረብሓ የብሉን ኢሎም።

‘’ማዕቐብ ንህዝቢ ደቡብ ሱዳን ስቓይ ካብ ምውሳኽ ዋላ ሓደ ረብሓ የብሉን’’ ምስበሉ ማይክል ብምስዓብ ‘’ማዕቐብ ፍታሕ ኣይኮነን።ርግፀኛ እየ፤ማዕቐብ ንኽግበር ዝፅውዑ ዘለው ኣብ ደቡብ ሱዳን ሰላም ክዓስል ድልየት ዘይብሎም እዮም’’ኢሎም።

ናይ ደቡብ ሱዳን ፕሬዝዳንት ሳልቫ ኪርን ምኽትል ፕሬዝዳንት ዝነበሩ ሎሚ መራሒ ተቓዋሚ ሪያክ ማቻርን ኣብ መወዳእታ እዚ ሒዝናዮ ዘለና ሰሙን እውን ዳግም ገፅ ንገፅ ክራኸቡ እዮም።

XS
SM
MD
LG