ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተፃባእቲ ሓይልታት ደቡብ ሱዳን ትግባረ ውዕል ምቁሩፅ ተፃብኦ ፈሪሞም


ቤተ-መንግስቲ
ቤተ-መንግስቲ

ተፃባእቲ ሓይልታት ደቡብ ሱዳን ንትግባረ ውዕል ምቁሩፅ ተፃብኦ ፈሪሞም።ኣብ ውሽጢ 45 መዓልታት ጊዚያዊ መንግስቲ ንከቁሙ‘ውን ኢጋድ ኣፍሊጡ።

ድሕሪ ኣብ ቤተ-መንግስቲ ኢትዮዽያ ዝተካየደ ዕፁው ኣኼባ መግለፂ ዝሃቡ ኣቦ-መንበር ኢጋድ ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ ብዛዕባ‘ቲ ስምምዕነት ክዛረቡ ከለው ”ተፃብኦ ንዘይምፍጣር ዝንፅርን ኣብ ውዕል ምቁራፅ ተፃብኦ ዝተመሰርተን ውዕል‘ዩ።ብዘይካ‘ዚ መራሕቲ ኢጋድ፣ነቶም ተንጠልጢሎም ዘለው ዛዕባታት ዘፃፍፉ መትከላት ኣቀሚጦም‘ለው።ልዝብ ዝዛዘመሉ ሰሌዳ ጊዜ‘ውን ገሊፅና‘ለና“ ኢሎም።

ልዝባት ተዛዚሙ ጊዚያዊ መንግስቲ ዝቆመሉ ደረት ጊዜ ኢጋድ 45 መዓልታት‘ዩ።ልዝብ ሰላም ደቡብ ሱዳን ተጓቲቱ ጥራሕ ዘይኮነስ እቲ ዝተኸትመ ውዕል ሰላም ብተደጋጋሚ ተጣሒሱ‘ዩ።መራሕቲ ኢጋድ ደጊም ዓቅሊ የብልናን ኢሎም ኣጠንቂቆም‘ለው ቀ/ሚ ኢትዮዽያ።

“ዘይምትግባር‘ቲ ውዕል ሳዕቤን ኣለዎ።ንመራሕቲ ደቡብ ነሕልፈሎም ንፁር መልእኽቲ‘ዚ እዩ።ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ዘሎ ምስሕሓብ፣ምጉታት መስርሕ ሰላም ቅቡል ኣይኮነን።ስለዚ መራሕቲ ኢጋድ ንዝነፀርዎ ኣንፈት ክደፍኡሉ እዮም።ተዘየለ ስጉምቲ ክንወስድ ኢና“ ይብሉ መራሒ ኢትዮዽያ።

ማሕበረ-ሰብ ዓለም’ውን ንመራሕቲ ደቡብ ሱዳን ተመሳሳሊ መልእኽቲ ኣሕሊፉ‘ሎ።ዋና ፀሓፊ ሕ/ሃ ባን ኪሙን ተፃባእቲ ወገናት ደቡብ ሱዳን ንውዕል ሰላም ብህፁፅ ክትግብሩ መፀዋዕታ ኣቅሪቦም።መሰጋገሪ መንግስቲ ንምቋም ዝኣተውዎ ቃል‘ውን ክትግብሩ ኣዘኻኺሮም።

XS
SM
MD
LG