ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣል-ሸባብ ኣብ ሞቃዲሾ ጉድኣት ኣውሪዱ


Somalia al-Shabab
Somalia al-Shabab

ጉጅለ ፈጠራ ራዕዲ ኣል-ሸባብ ኣብ ሞቃዲሾ ብጠንቂ ዝፈነዎ መጥቃዕቲ ኣጥፊእካ ምጥፋእ ብርክት ዝበሉ ሰባት ሞይቶምን ቆሲሎምን። እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ፣ኣል-ሸባብ ሎሚ’ውን ዞባዊ ስግኣት ስለዝኾነ ንምድምሳሱ ዞባዊ ስትራተጂ ከምዘድሊ ቀ/ሚ ነበር ገሊፆም።

ብጠንቂ እቲ ኣል-ሸባብ ኣብ ቀንዲ ቤት ፅሕፈት ምንስቴር ትምህርቲ ዝፈነዎ መጥቃዕቲ 15 ሰባት ከምዝተቀትሉን 20 ካልኦት ከምዝቆሰሉን ጠቀሰ።

እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ፣ሓይልታት ሕብረት ኣፍሪቃን ሰራዊት ሶማልያን ድሕሪ’ቲ መጥቃዕቲ ነቲ ህንፃ ከምዝተቖፃፀርዎ መሰኻኽር ገሊፆም።

ኣብ እዋን መጥቃዕቲ ኣል-ሸባብ ኣብ ውሽጢ’ቲ ህንፃ ዝነበረ ሓደ ምስክር ንቪኦኤ ክዛረብ ከሎ “ዕጡቃት ኣል-ሸባብ ቅድም ብመኪና ዝተፃዕነ ቦምባታት ምስ’ቲ ህንፃ ከምዘላተሙን ተኹሲ ከምዝሳዓበን” ሓቢሩ።

እቲ ህንፃ ንምኒስቴር ትምህርቲ፣ፔትሮልየምን ተፈጥሮኣዊ ጋዝን ዝሓቆፈ እዩ።ዝተጎድአ መንግስታዊ ባዓል-ስልጣን ግና የለን። ሓላፊ ኣገልግሎት ሆስፒታል ሞቃዲሾ ዶ/ር ዓድቡልቃድር ዓብዱልራሕማን፣ብርክት ዝበሉ ዝተወግኡን ዝተቐትሉን ሪኢና ይብሉ።

ዕጡቃት ኣል-ሸባብ ን1ይን 2ይን ደርቢ’ቲ ህንፃ ተቆፃፂሮም ነይሮም።ድሕሪ ፅዑቅ ተኹሲ ግና ሰራዊት ሶማልያን ዓቃቢ-ሰላምን ደፊኦም ኣውፂኦሞም። ኣብ ውሽጢ’ቲ ህንፃ ሬሳ 4 ኣባላት ኣል-ሸባብ ከምዝራኣዩ’ውን እቲ ዜና ይሕብር።ካልኦት ምንጭታት ግና 8 ሬሳታት ይብሉ።

ብዝተኣሳሰረ ዜና “ስግኣት ኣል-ሸባብ ነቲ ዞባ ርኡይ ስለዝኾነ ንምግጣሙ ዞባዊ ስትራተጂ ከምዝድሊ” ቀ/ሚ ሶማልያ ዝነበሩ ዓብዲወሊ ኣሕመድ ገሊፆም።

ትማሊ ኣብ ስቱድዮ ቪኦኤ ቀሪቦም ቃለ-ምልልስ ዘካየዱ ሚስተር ዓብዲወሊ “ኣል-ሸባብ መራሕቱ ከሲሩ፣ናይ ምጥቃዕ ተኽእልኡ መሽሚሹ፣ ገንዘባዊ ምንጭታቱ ተፀንቂቁ፣ግን ሎሚ’ውን ስግኣት ምስኮነ’ዩ፣ስለዚ ንምድምሳሱ ዝያዳ ክስራሕ ኣለዎ” ኢሎም።

XS
SM
MD
LG