ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢቦላ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ማህሰይቲ የውርድ ኣሎ ኢሎም ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት


ኣብ ሰለስተ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪካ ምግፋሕ ቫይረስ ኢቦላ ኣብዝቐፀለሉ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ይድፍኡ ኣለው ክብሉ ጉጅለታት ሰብኣዊ መሰላት የጠንቅቑ ኣለው።ነቲ ቐታሊ ሕማም ንምግጣም ይካየድ ኣብዘሎ ፃዕሪ ሰባት ጥዕናዊ ክንክንን ኣታዊ መነባብርኦምን ንክይረኽቡ የገድዶ ኣሎ።ጊ

ኣብ ሲየራ ሊየን፣ላይበሪያን ጊኒን ንምግላልን ንምድራት ምንቅስቓሳትን ሰባት ዝውሰዱ ዘለው ስጉምትታት ንስቪላዊ ነፃነት ይዳፍኡ ኣለው ዝብል ነቐፌታ ይቐርብ ኣሎ።

ሰባት ብጃምላ ፍፁም ንከይንቀሳቐሱ ይግበር ስለዘሎ ኣብ ህዝባዊ ጥዕናን መነባብሮ ማሕበረሰባትን ፅዕንቶ የሕድር ኣሎ ይብል Human Rights Watch ዝተብሃለ ጉጅለ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት።

ኣብ ቦ ሲየራ ሊዮን ኣብ ዝመደብሩ ክልኒክ ንዶብ ኣልቦ ሓኻይም ዝሰርሓ ደቡብ ኣፍሪካዊት ናይ ህፃናት ሓኪም ዶ/ር ጁሊ ስዊታላ እቲ ሕማም ናብ ካልኦት ከይመሓላለፉ ዝፈጠሮ ስግኣት ሕሙማት መሰረታዊ ዝኾኑ ክንክን ጥዕና ከይረኽቡ ይግደዱ ኣለው ይብላ።

ኣብ Human Rights Watch ዳይረክተር ምዕራብ ኣፍሪካ ኮሪን ዱፍካ ኢቦላ ኣብ ልዕሊ እተን ሃገራት ከቢድ ጭንቀት የሕድር ኣሎ ኢለን።

ናይ ሕቡራት መንግስታት ሰብኣዊ መሰላት ሓድሽ ሓላፊ ዘይድ ራኣድ ኣል ሑሴን ብጥንቃቐ ዘይስራሕ ምግላልን እገዳ ጉዕዞን ኣብ ልዕሊ ኣፍሪካዊያን ሕማቕ ኣመለኻኽታ ከሕድር ከምዝኽእል ኣጠንቂቖም ኣለው።

‘’ንሰብኣዊ መሰላት ክብሪ ብምሃብ ጥራሕ እዩ ነቲ ለበዳ ምቁፅፃር ዝክኣል’’ምስበሉ ኣስዒቦም ‘’’ንሕና’ን ‘ንሶም’ን ዝብል ኣተሓሳስባ እውን ክንጥንቀቐሉ ይግባእ’’ኢሎም።ምኽንያቱ ካብ ኣፍሪካ፣ወይ ካብ ምዕራብ ኣፍሪካ ወይ ካብ ውሱን ከባቢ ወይ ጉጅለ ንዝኾኑ ሰባት ግቡእ ዘይኮነ ኣመለኻኽታ ክህልው ዝገብር።ብኢቦላ ዝሓመመ ዝኾነ ይኹን ሰብ ብምድሃልን ብምግላልን ከይኮነስ ብኽብሪ ክትሓዝ ኣለዎ እውን ኢሎም።

ትክላት ረድኤት ምስ ጉዕዞ ኣብ ልዕሊ ዝተኣሰሰሩ እገዳታት ተቓውሞ ኣብ ምስማዕ ይርከቡ።ተጎዓዝቲ ሕማም እናተሰምዖም እውን ካበየነይቲ ሃገር ከምዝመፁ ወይ ዝስምዖም ምልክትታ ንክሓብኡ ይኽእሉ እዮም ብዝብል።

ኣብ ዝተጠቕዑ ከባቢታት ዝውሰድ ስጉምትታት ምድራት ጉዕዞን ምጉዕዓዝን ኣብ ንግድን ቁጠባን ኣሉታዊ ፅዕንቶ ከምዘሕድር ይግለፅ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG