ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዜግነትን ጋዜጠኝነትን ከውሊ ግብረ ሸበራ ኮይኑ ኣየድሕንን’ ኢሎም ቀ/ሚ ኢትዮዽያ


Hailemariam Desalegn
Hailemariam Desalegn

ንኢትዮዽያ ንምትርማስ ዓሊሙ ካብ ኤርትራ ክሳብ ሶማልያ፣ኬንያን ደቡብ ሱዳንን ዝተዘርገሐ መርበብ ግብረ ሸበራ ኣሎ ዝበሉ ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ቀንዲ ዋኒን መንግስቶም ነቲ መርበብ ሙሉእ ንሙሉእ ምብትታኽ ምኳኑ ጠቂሶም።

ንሶም ነዚ ዝገለፁ ምስ ጋዜጣኛታት ውሽጢ ሃገርን ወፃኢን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ-መጠይቅ‘ዩ።

ኣብ‘ዚ ቀረባ ዝተታሓዙ መራሒ ሸውዓተ ግንቦትን ኣባላት ተቃወምቲ ፓርቲታት ኢትዮዽያ ምስ ህንፀት ዴሞክራስያዊ ስርዓት ርክብ የብሉን። ኣብ ኢትዮዽያ፣ዜግነት ካልእ ሃገር ሒዝካ፣ጋዜጠኛን ኣባል ተቃዋሚ ፓርቲን ንግብሪ ግብረ ሸበራ ከምከውሊ ገይርካ ምጥቃም ካብ ተሓታታይነት ኣየድሕንን‘ውን ኢሎም።

ንሙሉእ ሪፖርት ኣዳምጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:36 0:00
መራገፊ

XS
SM
MD
LG