ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደቡብ ኣፍሪካዊ ኦስካር ፒስተሪየስ ገበነኛ ተባሂሉ


ኦስካር ፒስተሪየስ
ኦስካር ፒስተሪየስ

ዳኛ ደቡብ ኣፍሪካ ንፍቕረኛ ዓርኩ ቶኲሱ ብምቕታል ገበን ንጎያያይ ኦስካር ፒስተሪየስ ጥፍኣተኛ ኢለንኦ።ኮነ ኢሉ ቐቲሉዋ ብዝብል ንዝቐረቦ ኽሲ ግን ነፃ ኢሎንኦ ኣለዋ።

ድሕሪ ናይ ነዊሕ ስዓታት ዝርዝር ሕጋዊ መብርሂታት ዳኛ ቶኮዚል ማሲፓ ኦስካር ፒስትሪየስ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንፍቕረኝኡ ሪቫ ስቲንካምፕ ኣብ ገዝኡ ተኲሱ ምቕታሉ ሎማዕንቲ ዓርቢ በይነን።

ፒስተሪየስ ፍርቂ ለይቲ ሰራቒ ዝኣተወ መሲሉኑ እምበር ኮነ ኢሉ ኣይቀተልኩዋን ይብል።

ተኸሳሲ ኮነ ኢሉ ዝቐተላ ምዃኑ መንግስቲ ብዝየማትእ ኣገባብ ከረጋግፅ ብዘይምእኻሉ ኮነ ኢሉ ቐቲሉዋ ብዝብል ኽሲ ነፃ ኢሎንኦ ኣለዋ።ኣብ ክንድኡ ግን ኢለን ‘’ኣብ ክንድኡ ሰብ ብምቕታል ገበነኛ ኮይኑ’ሎ’’ኢለን።

ትማሊ ሓሙስ ኣብዝወዓለ መጋባእያ እተን ዳኛ ፒስተሪየስ ዕሽሽ ብምባል ሸኲሉ ስጉምቲ ወሲዱን ካብ ዓቐን ንላዕሊ ሓይሊ ተጠቒሙን ኢለንኦ።

ስድራ ፒስተሪየስ እቲ ውሳነ ክንበብ ከሎ ስምዒት ኣየርኣዩን።ደገፍትን ኣዝማድን ስቲንካምፕ ግን ሰላሕ ኢሎም ክበኽእዩ ተራኢዮም ኣለው።

ዳኛ ማሲፓ ፒስተሪየስ ዝቕፅል ወርሒ 13 ጥቅምቲ 2014 ኣ/ፈ ፍርዲ ክሳብ ዝውሃቦ ብዋሕስ ነፃ ኮይኑ ክፀንሕ ይኽእል እዩ ኢለን።

ኣብቲ ብይን ዝተሓዋወሰ ሪኢቶታት ይውሃቡ ኣለው።ገሊኦም እተን ዳኛ ኽርር ዝበለ ብይን ክህባ ነይሩወን እንትብሉ ገሊኦም ድማ ሚዛናዊ እዩ ይብሉ።

ፒስተሪየስ ክሳብ 15 ዓመት ዝበፅሕ ማእሰርቲ ክፍረዶ ይእኽል።

XS
SM
MD
LG