ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መደረ ፕሬዝዳንት ኦባማ ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ



ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ኣብ መዛዘሚ ናይ ኬንያን ኢትዮጵያን ታሪኻዊ ዑደቶም ንናይ ኣፍሪካ ፍሉይ ዕብየት ብምንኣድ፤እዚ ፍሉይ ዕብየት ዘላቒ ክኸውን ዝኽእል ግን ቐፃሊ ልምዓትን ዴሞክራስን ምስ ዝረጋገፅ ጥራሕ እዩ ኢሎም።

‘’ከም ሓደ ኩርዕ ኣሜሪካዊ ኣብ ቅድሜኹም ጠጠዝ ኢለ ኣለኹ’’ ዝበሉ ፕሬዝዳንት ኦባም ኣስዒቦም ‘’ከም ሓደ ወዲ ኣፍሪካዊ እውን እየ ኣብ ቅድሜኹም ደው ኢለ ዘለኹ’’ኢሎም።

ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ሎማዕንቲ ሰሉስ ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ ተረኺቦም መደረ ዘስምዑ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ፈላማይ ፕሬዝዳንት ዩናይትድ ስቴትስ ኮይኖም ኣለው።

ፕሬዝዳንት ኦባማ እታ ኣህጉር ዘመዝገበቶም ዓወታት፣ቁፅሪ HIV/AIDS ዝትሓዙ ሰባት ክንኪ፣ሚሊዮናት ኣፍሪካዊያን ካብ ድኽነት ክወፁን ወዘተ ንዝገበረቶም ፃዕርታትን ውፅኢቶምን ናእድኦም ገሊፆም።ዩናይትድ ስቴትስ ኣብዞም ዝተመዝገቡ ለውጥታ ንዝነበራ ጊድ እውን ኣጉልሆም።

ፕሬዝዳንት ኦባማ ንናይታ ኣህጉር ‘’ዘደንቕ’’ ዕብየት ብጥንቃቐ ዝርኣይሉ እውን እቲ ዕብየት ኣብ ፈራሲ መሰረት ዝተቐመጠ እዩ ክብሉ ዝገለፅዎ እዩ።ኣማእቲ ሚሊዮናት ኣፍሪካዊያን መባእታዊ መሰረት ልምዓት ኣብዘይረኽብሉን ኣብ ኣዚዩ ሕሱም ድኽነት ኣብዝነብርሉ እዋንን እቲ ዘደንቕ ገስጋስ መሰረቱ ኣብዘይደልደለ ቦታ ዝተቐመጠ ዕብየት እዩ ኢሎምዎ ፕሬዝዳንት ኦባማ።

ጋዜጠኛታት ስርሖም ስለዝሰርሑ እንተድኣ ተኣሲሮም፣መንግስቲ ንስቪል ማሕበረሰብ ዝዕፍን እንተኾይኑ፣ዴሞክራሲያዊ ለውጢ ክመፅእ ዝንቀሳቐስይ ኣብ ስግኣት እንተወዲቖምን ሽዑ ዴሞክራሲ ብግብሪ ከይኮነስ ንሽም እዩ ዘሎ ኢሎም ኦባማ።

ኢትዮጵያ ንጋዜጠኛታታ እትኣስር እንተኾይና ወይ ንሕጋዊ ጉጅለታት ተቓወምቲ ኣብ እዋን ወፍሪ ምርጫ ንከይቀሳቐሱ ትድርት እንተኾይና ብናተይ እምነት ናይ ህዝባ ምሉእ ዓቕሚ ክትጠቀም ኣይትኽእልን ኢሎም ኦባማ።ዝርዝሩ ኣብዚ ይስምዑ።

XS
SM
MD
LG