ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ትምህርቲ ኒኮላስ ኣብ ትግራይ


ብማሕበር ጉዱኣት ኵናት ትግራይ ዝውነን ኣብ ከተማ መቐለ ዓዲ ሹም ድሑን ዝርከብ ፍሉይ ቤት ትምህርቲ ፅፉፍ ትምህርታዊ ግልጋሎት ይህብ’ሎ። እቲ ቤት ትምህርቲ 3 ኢድ ተምሃሮ ደቂ ኣባላት ስድራ ጉዱኣት ኵናት ትግራይ ዝመሃርሉ ኣብ ትግራይ ቅድሚ 10 ዓመት ዝተጣየሸ ቤት ትምህርቲ እዩ።

ኣብ ትሕቲ ቤት ትምህርቲ ኒኮላስ መዋእለ ህፃውንቲ፣ቀዳማይን ካልኣይን ብርኪ ቤት ትምህርቲ 1300 ተምሃሮ ክሳብ 11 ክፍሊ ይመሃሩ ኣለዉ፤ ንዓመታ 12 ክፍሊ ክጅምር እዩ።

ቤት ትምህርቲ ኒኮላስ ብዘለዎ ፅፉፍ ኣመሃህራን ብቑዕ ምምሕዳርን ኣብ ትግራይ እቲ ዝሐሸ ቤት ትምህርቲ ኮይኑ ተሓርዩ’ሎ። ስልጠና ኮምፒውተር ካብ ቀዳማይ ክፍሊ ኣትሒዙ ይወሃብ። ኣብ ኢትዮጵያ መሰታ ዘይርከቦ ማእኸላት ሳይንሳዊ ቤተ ምርምር ወኒኑ’ሎ ይብላ ሓደ ካብቶም ኣጣየሽቲ እቲ ቤት ትምህርቲ ካትሪን ሮቢንሰን።

ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ዝመሃሩ ተምሃሮ ውፅኢቶም ዝለዓለ ኮይኑ ይቕፅል ምህላዉ ድማ ኣካያዲ ስራሕ እቲ ቤት ትምህርቲ ኣይተ ተስፋሁነኝ ሃይለማርያም ይዛረቡ። ውፅኢት ተምሃሮ ንምምሕያሽ ብቐንዱ ዓቕሚ መምህራንን ሰራሕተኛታት እቲ ትካልን ንምዕባይ ዘኽእል መስርሕ ብፅንዓት ይትግበር ምህላዉ እውን ኣይተ ተስፋሁነኝ ኣረዲኦም።

ነቲ ቤት ትምህርቲ ዘጣየሹ ካትሪን ሮቢንሰንን ማክስ ሮቢንሰንን ዝበሃሉ ኣብ ዙሪክ ሲውዘርላንድ ዝነብሩ እንግሊዛውያን ሰብ ሓዳር እዮም። ኒኮላስ ወዲ ማክስ ሮቢንሰን እንትኾን ብ1996 ዓ.ም ኣብ 5 ዓመቱ ኣብ ማይ ጣንዩ ህይወቱ ዝሰኣነ ማማይ እዩ። ማክስ ሮቢንሰን ንመዘከርታ ወዱ ንህፃውንቲ ዘምህር ቤት ትምህርቲ ንምኽፋት ዓሊሙ ምስአን ብሓባር ነቲ ቤት ከምዘጣየሹዎ ባዓልቲ ቤቶም ካትሪን ሮቢንሰን ንድምፂ ኣመሪካ ገሊፀን።

please wait

No media source currently available

0:00 0:07:48 0:00

XS
SM
MD
LG