ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

’ኢትዮዽያ ሓያል ሰራዊት ሃኒፃ’ ይብል ግሎባል ፋየር-ሃውስ


GFP
GFP
ግሎባል ፋየር ፓወር ዝተባሃለ መርበብ ሓበሬታ ምክልኻል ኣብ ዘውፀኦ ዓመታዊ ዓለም-ለኸ ስርርዕ ሓይልታት፣ኢትዮዽያ ካብ ዓለምና፣መበል ኣርባዓ ዝሓየለ ሰራዊት ሒዛ‘ላ ኢሉ ክጠቅስ ከሎ፣ሰራዊት ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ ኢትዮዽያ ብሓደ ደረጃ ትሒቱ መበል ኣርባዓን ሓደን። ሰራዊት ናይጀርያ መበል 47፣ሰራዊት ኬንያ መበል 63 ደረጃ ሒዞም‘ለው።ኤርትራ ኣብ‘ቲ 106 ሃገራት ደረጀአን ዝሓዛሉ መፅናዕቲ ኣይተጠቅሰትን።

ሰራዊት ግብፂ ካብ ሙሉእ ዓለም ማዕረ ሰራዊታት ፓኪስታን፣ብራዚል፣ ጣልያንን እስራኤልን ኣብ መበል 13፣ካብ ሙሉእ‘ታ ኣህጉር ቀሳማይ ዝሓየለ ሰራዊት ተባሂሉ ተገሉፁ‘ሎ።

መፅናዕቲ ግሎባል ፋየርፓወር ንኤርትራ ኣብ መፅናዕቱ ከምዘይሓቆፋ ዝጠቅስ ጀምስ ፓኬት፣ሰራዊታ ግና ኣነኣኢስካ ክራኣይ ኣለዎ ማለት ከምዘይኮነ ይገልፅ።ዓቅሚ ታንክታት ኤርትራ ዝኣረገ ክኸውን ይኽእል‘ዩ፣ ሓይሊ ኣየራ ግና ምምሕያሽ ተገይሩሉ‘ዩ ይብል ንሱ።

ንትካል ስትራተጂካዊ ማእከል መፅናዕቲ ለንደን ዝሰርሕ ጀምስ ሃኬት፣ ብሄራዊ ተዋፅኦ ሰራዊት ኢትዮዽያ ንምምጥጣን ተባሂሉ ብርክት ዝበሉ ተጋሩ ኣባላት ሰራዊት ብጡረታ ንክሰናበቱ ከምዝተገብረ ይጠቅስ። ኢትዮዽያ ኣባላት ኩሎም ብሄራትን ሃይማኖትን፣ናብ‘ቲ ሰራዊት ክሕቆፉ ንዘርአየቶ ተገዳስነት ንኢዱ ጀምስ ሃኬት።
ሙሉእ ሪፖርት ኣዳምፁ
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:05 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG