ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኩምራ ፀገማት ዘየሰኰንዋ ብልፅቲ ሓኪም


ዶ/ር መስቀሉ ኪዱ
ዶ/ር መስቀሉ ኪዱ

ኣብቲ ተወሊዳ ዝዓበየትሉ ሰቖጣ ኣብ ሓደ ክፍሊ 7 ቆልዑ ይመሃሩ ኣብ ዝነበርሉ እዋን ፊደል ክትቆፅር እንተይኮነስ ሓንቲ ተምሃሪት ቤተሰባ በይና ከይፅምዋ ኣካይድያ ተባሂላ ኣፍደገ ቤት ትምህርቲ ረገፀት።

እንተንሳ ብኢደ ወነና ብዘይ ወረቐትን እርሳስን ካብቶም ተምሃሮ ዝበለፀት ኮይና ተኾለዐት።

ነዚ ተበግሶኣ ዝተረድኡ መምህራን እቲ ቤት ትምህርቲ ኣብ ካልኣይ መንፈቕ ዓመት ደፍተርን እርሳስን ሂቦም ንምምሃር ዝነበራ ፃምእ ክትረዊ ሓገዝዋ።

ቅድሚ ቅድሚ ኩሎም ተምሃሮ ፀብለልታ እናረኸበት ራብዓይ ክፍሊ በፀሐት፤ ብድሕሪኡ ምህሮ ኣቋሪፃ ንእንዳ ኣባሓጎኣ ማይ ክትሓውርን ዕንፀይቲ ክትኣርን ድማ ናብ ጣንቋ ኣበርገለ የጭላ ተላኣኸት።

እዚ ኹሉ እንትኾን ሕፅይቲ እያ ዘላ፤ ገና ኣብ ማህፀን ወላዲታ እንተላ ብመፅብዓ ወለዲ እያ ተሓፅያ። እንዳ ኣባሓጎኣ ኣብቲ ዘለዋ ተረፍ ጊዜ ናብ ቤት ትምህርቲ ክተከይድ ስለዝፈቐዱላ ነቲ ጠጠው ዘበለቶ ኣስኳላ ድማ ጀመረት። ክዳን፣ ሳእንን ንትምህርቲ ዘድልዩ ናውቲን ካብ ዓዲ ሕመኣ እናተማለአላ ተምሃረት።

ክሳብ ሻምናይ ክፍሊ ከምቲ ሕሉፍ ቅድሚ ማሓዙታ ተሰሪዓ እናተሰለመት ኣብ ሻምናይ ክፍሊ 82 ማእኸላይ ውፅኢት 99.96 ሚኢታዊ ነጥቢ ብምምዝጋብ ናብ ፍሉይ ቤት ትምህርቲ ቃላሚኖ ኣተወት። ኣብ ዓስራይ ክፍሊ ምሉእ ኣርባዕተ ነጥቢ ረኺባ ኣብ 12 ክፍሊ ናብ ዩኒቨርሲቲ ዘእቱ ልዑል ውፅኢት ኣምፂኣ ነቲ ዝተመነየቶ ሞያ ሕክምና ክትመሃር ናብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ክፍሊ ሕክምናዊ ትምህርቲ ተፀምበረት።

ናብ ሻምናይ ክፍሊ ሓሊፋ ካብቲ ዝነበረትሉ ከባቢ ምስ ወፀት ደጊም ኣበይ ከይንረኽባ ተባሂሉ ሕፀን መርዓን ተረፈ፤ ክሳብ ሎሚ መልክዑ እኳስ ዘይትፈልጦ ሕፁያ ዝነበረ ሰብኣይ ብድሕሪኡ ሓዳር ገይሩ ክልተ ቆልዑ ዝወለደ ካህን ምዃኑ ሎምቕነ ሰሚዓ’ላ።

ንቃለ-መጠይቅ ምስ ዶ/ር መስቀሉ ኪዱ ኣዳምጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:18 0:00

XS
SM
MD
LG