ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሻምፕዮን ማራቶን ቦስቶን መብ ክፍለዝጊ ጋሻና ኮይኑ


MEB
MEB
ኤርትራ-ኣሜሪካዊ መብ ክፍለዝጊ ኣብ‘ቲ ትማሊ ሶኒ ቦስቶን ማሳቹሴትስ ኣብ ዘዳለወቶ ዓመታዊ ውድድር ማራቶን ምዕዋቱ ብዙሕ ታሕጓስ ከምዝፈጠረሉ ገሊፁ።

ዝተረፈኒ ዓወት፣ዓወት ማራቶን ቦስቶን‘ዩ ነይሩ፣ንሱ‘ውን ብሓይሊ ኣምላኽ ረኺበዮ‘ለኹ፣ናብ‘ዚ ብርኪ‘ዚ ምብፃሓይ‘ውን ፍሉይ ስምዒት ፈጢሩለይ‘ሎ ይብል ንሱ።

ኣብ ማራቶን ቦስቶን ኬንያዊያን ካልኣይን ሳልሳይን ክወፁ ከለው፣ብደቂ-ኣነስትዮ ኬንያዊት ቀዳመይቲ፣ኢትዮዽያዊት ካልአይቲ ከምዝተዓወታ ዝዝከር‘ዩ።

ሓደ ኣሜሪካዊ ድሕሪ 31 ዓመታት ኣብ ማራቶን ቦስቶን ዝተዓወተ ኣትሌት ኮይኑ‘ሎ መብ ክፍለዝጊ።
ቃለ-መጠይቅ ምስ መብ
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:41 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG