ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኬንያ ኣስታት 500 ዘይመንግስታዊ ትካላት ከይሰርሑ ኣጊዳ


Uhuru Kenyatta
Uhuru Kenyatta

ኬንያ ኣብታ ሃገር ንዝንቀሳቐሱ ኣስታት 500 ዘይመንግስታዊ ትካላት ዝሃበቶ ፍቓድ መንጢላቶም።ገሊኦም ምስ ሽብር ርክብ ኣለዎም ብዝብል ተኸሲሶም ኣለው።እቲ ውሳነ እስላማዊ ኣኸረርቲ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ፈፂሞምዎም ዝተብሃሉ ተኸታተልቲ መጥቓዕትታት ስዒቡ ሓለዋ ፀጥታ ንምሕያል ኣብእትንቀሳቐሰሉ እዋን እዩ።

ንዘይመንግስታዊ ትካላት ኬንያ ዝቆፃፀር ቦርድ ኣብታ ሃገርን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካን ንሽብር ገንዘብ ብምሕጋዝን ኣብ ተግባራት ሽብር ብምስታፍን 15 ዘይመንግስታዊ ትካላት ኸሲሱዎም ኣሎ።

ኣብ ናይሮቢ ንጋዜጠኛታት መግለፂ ዝሃቡ ፈፃሚ ዳይረክተር እቲ ቦርድ ፋዙል መሓመድ ካብቶም 500 ጉጅለታት ስቪል ማሕበረሰባት ናይ ገሊኦም ናይ ባንኪ ሒሳብ ተዓፂዩ ኢሎም።ናይ ወፃእተኛታት ፍቓድ ስራሕ ተሓዲጎምን ገሊኦም ድማ ክኽሰሱ ይኽእሉን እዮም ኢሎም። ብምስዓብ ‘’እቲ ቦርድ ምስ ትካላት ፀጥታ ብምትሕብባር ነዞም ከባቢያውን ዓለምለኻውን ዘይመንግስታዊ ትካላት ምስ ተሓባበርቶምን መወልቶምን ፈሊዩዎም ኣሎ’’ኢሎም።

እቲ ቦርድ ከይንቀሳቐስ ዝተኣገደ ገንዘብ እተን ትካላት ኣብታ ሃገር ንክሰርሓ ፍቓድ ንዘለወን ዘይመንግስታዊ ትካልት ከከፋፍለን እዩ ኢሎም።

ኣብ ልዕሊ ፕሬዝዳንት ኬንያታን ምኽትል ፕሬዝዳንት ሩቶን ኽሲ ምስ ዝመስረተ ዓለምለኸ መጋባእያ ገበን ርክብ ኣለዎም ብዝብል ኣብቶም ዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ ብዙሓት ዘይመንግስታዊ ትካላት ኣብ ትሕቲ ከቢድ ፅዕንቶ መንግስቲ ከምዝኣትው ተፈሊጡሎ።

ዋና ዓቃቢ ሕጊ ዓለምለኸ መጋባእያ ገበን ብቑዕ መርትዖ ኣይረኸብኩን፣ኣገደስቲ ሰነዳት ንምርካብ እውን መንግስቲ ኬንያ ክተሓባበረኒ ኣይክኣለን ብዝብል ኣብ ልዕሊ ፕሬዝዳንት ኬንያት ጀሚሩዎ ዝነበረ ኽስታት ኣብ መጀመሪያ እዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ከምዘቋረፆ ይዝከር።

XS
SM
MD
LG