ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንናዕበኛታት እስላማዊ መንግስቲ ንምግጣም ኣስታት 30 ሃገራት ዝተሳተፋሉ ኮንፈረስ ተኻይዱ

Iraq's President Fuad Masum (2ndL), French President Francois Hollande (3rdL), French Foreign Minister Laurent Fabius (C) and U.S. Secretary of States John Kerry (3rdR) pose for a family photo during the International Conference on Peace and Security in I

ኣብ ፓሪስ ሎማዕንቲ ሰኒ ዝተራኸቡ ተወከልቲ ኣስታት 30 ሃገራት ንናዕበኛታት እስላማዊ መንግስቲ ንምውጋእ ወታደራዊ ሓገዝ ንኽውሃብ ተመፃቢዖም።ቕልጡፍን ዝተዋደደን ስጉምቲ ንኽውሰድ መራሕቲ ፈረንሳይን ዒራቕን ፀዊዖም ኣለው።

ምስ ናይ ዒራቕ መዘንኦም ብምዃን ንናይ ፓሪስ ኮንፈረንስ ዝኸፈቱ ናይ ፈረንሳይ ፕሬዝዳንት ፍራንስዋ ኦላንድ ግዜ የብልናን ክብሉ ኣጠንቂቖም።እላማዊ መንግስቲ ዒራቕን ሶሪያን ንሰፋሕቲ ከባቢታት ዒራቕን ሶሪያን ብምቁፅፃር ንምዕራባዊያን ምጭዋይ ሓዊሱ ንዓለም ዘደንገፁ ዘስካሕክሑ ስልትታት ይጥቀም ኣሎ ኢሎም ፕሬዝዳንት ኦላንድ።

‘’ውግእ ዒራቕ ዓለምለኻዊ እዩ።ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ብዘይማትእ፣ብተኣማንነትን ብዕቱብን ክምክቶ ኣለዎ’’ ኢሎም ፕሬዝዳንት ኦላንድ ‘’እስላማዊ መንግስቲ ንማእኸላይ ምብራቕ ጥራሕ ከይኮነስ ንፈረንሳይ ሓዊሱ ንምዕራባዊያን ሃገራት እውን ስግኣት እዩ’’ኢሎም።

ምስ ጂሃዳዊያን ንምስላፍ ሓደ ሽሕ ዝግመቱ ሰባት ካብ ፈረንሳይ ከምዝወፁ ሰበስልጣን ይዛረቡ።

ፕሬዝዳንት ኦላንድ እስላማዊያን ንመንእሰያትና ንምስባኽን ንምምልማልን ዝዘርግሑዎም መርበባት ጂሃድ ክብተኽ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ኩሉ ዝክኣሎ ክገብር ኣለዎ ኢሎም።እስላማዊ መንግስቲ ፋይናንሳዊ ምንጪ ከይረክብን ንቶም ዝሕግዙዎም ድማ ክንቐፅዖምን እውን ኢና ኢሎም።

ናይ ዒራቕ ፕሬዝዳንት ማሱም ብወገኖም ናይ ዓለም ሓያላት ናዕበኛታት እስላማዊ መንግስቲ ኣብዝኣተውዎ ኣትዮም ክሃድኑዎም ፀዊዖም።

ምንስቴር ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ ጆን ኬሪን ልዕሊ ደርዘን ዝኾኑ ምንስትራት ወፃኢ ኣውሮፓን ማእኸላይ ምብራቕን እውን ኣብቲ ናይ ፓሪስ ኣኼባ ተሳቲፎም ኣለው።

ሶሪያን ኢራንን ግን ንኽሳተፋ ኣይተዓደማን።ቴህራን ኣንፃር እቶም ኣኽረርቲ ዩናይትድ ስቴትስ ንዘበገሰቶ ዓለምለኸ ጥምረት ነቒፋ’ላ።

XS
SM
MD
LG