ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ተፃባእቲ ደቡብ ሱዳን ንዝተረፈ ስምምዕ ተግባራዊ ዝገብር ውዕል ዘይፈረምሉ ኣብ ኣገላልፃ ሓደ ቃል ስለ ዘይተሰማምዑ`ዩ" :ኣቦ መንበር ኢጋድ


ኣቦ መንበር ኢጋድ ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ
ኣቦ መንበር ኢጋድ ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ

ተነሓናሕቲ ወገናት ደቡብ ሱዳን ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ ዝፈረምዎ ቶኽሲ ጠጠው ናይ ምባል ስምምዕ ተግባራዊ ዝገብር ማትሪክ ብዝብል ሽም ዝፅዋዕ ሰነድ ንምፍራም ምስምምዖም ቀዳማይ ምንስቴር ኢትዮጵያ ሃይለማሪያም ደሳለኝ ኣፍሊጦም።ናይ እዋኑ ናይ ኢጋድ ኣቦ መንበር ኣቶ ሃይለማሪያም ኣብ ቅልውላው ደቡብ ሱዳን ንዘተኮረ ኣኼባ ኣባላት መራሕቲ ኢጋድ ብመደረ ኸፊቶም ኣለው።

ካብ ትማሊ ምሸት ጀሚሮም ምስ ፕሬዝዳንት ሳልቫ ኪርን መራሒ ተቛዋሚ ሪያክ ማቻርን ክመኻኸሩ ዝፀንሑ መራሕቲ ኣባል ሃገራት ኢጋድ ዝተረኽበ ውፅኢት ሎማዕንቲ ዕላዊ ገይሮም።

ናይ ኬንያ ፕሬዝዳንት ኡሁሩ ኬንያታ፣ናይ ኡጋንዳ ዩዌሪ ሙሶቨኒ፣ናይ ጁቡቲ እስማዒል ዑመር ጊሌ፣ናይ ደቡብ ሱዳን ሳላቫ ኪርን ቀዳማይ ምንስቴር ሱማሊያ ዓብዲ ዎሊ ኣሕመድ መሓመድን ኣብ ዝተረኸብሉ ኣኼባ ነቲ ውፅኢት ዕላዊ ዝገበሩ ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ እዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ንዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ተግባራዊ ዝገብር ማትሪክስ ብዝብል ዝፍለጥ ሰነድ ኣብ መኽፈቲ ስነስርዓት ኣኼባ እቶም መራሕቲ ንኽፍረም እውን ጋቢዞም ነይሮም ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም።

ጋዜጠኛታት፣ተቐማጥነቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝኾኑ ናይ ኢጋድ ኣጋር ሃገራትን ትካላትን ከምኡ እውን ተወከልቲ ካልኦት ኣካላትን ኣብ ዝተረኸብሉ ስነስርዓት ተረሓሒቖም ዝተቐመጡ ፕሬዝዳንት ሳልቫ ኪርን ተነሓናሒኦም ሪያክ ማቻርን ግን ንምፍራም ቅሩባት ኣይነበሩን።

ኣብዚ እዋን ነይሮም ኣቦ መንበር ኢጋድ ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ክልቲኦም ወገናት ነቲ ውዕል ዘይፈረምሉ ኣብ ኣገላልፃ ሓደ ቃል ስለ ዘይተሰማምዑ ምዃኖም ኣብቲ ስነርዓት ዝተዛረቡ።ከምዚ ብምባል ‘’ኣብ ናይ ቃላት ኣገላልፃ ዝተፈጠረ ዘይምርድዳእ ከወግዱ ኣለዎም።ነቲ ፀገም ክፈትሑ እውን ዝተወሰነ ግዜ ክንህቦም ኢና።ነቲ ቃል ምስ ኣዐረዩ ፀኒሖም ክፍርምሉ እዮም’’ኢሎም።

ብፍላይ ኣብ መኽፈቲ መደርኦም ከይዲ ሰላም ደቡብ ሱዳንን ሕዚ ዝርከበሉ ደረጃን ዝዳህሰሱ ኣቶ ሃይለማሪያም ደሳለኝ ንተሓናሕቲ ወገናት ወቒሶም።

ቅድሚ ትሽዓተ ኣዋርሕ ዝጀመርዎ ከይዲ ሰላም ዝትወሰኑ ምምሕያሻት ዋላ እንተርኣየ እውን ሓፈሻዊ ኩነታት ግን ከምዘይዐግብ ብፍላይ ዝበዝሕ ብተቓወምቲ ብዝተወሰነ ድማ ብመንግስቲ ተጣሒሱ እዩ ኢሎም ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ።

ብዝተኣሳሰረ ዜና ናብ ክፍለ ግዝኣት ዩኒቲ ከባቢ ቤንትዩ ካብ ዝተዋፈሩ ተቖፃፀርቲ ቶኽሲ ሓደ ኣብቲ ከባቢ ምማቱ ኢጋድ ኣፍሊጡ።

ዋና ኣደራዳሪ ኢጋድ ኣምባሳደር ስዩም መስፍን ነዚ ዝፈፀሙ ኣካላት ካብ ተሓትትነት ኣየምልጡን ኢሎም።

XS
SM
MD
LG