ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሩዋንዳ ፕሬዝዳንት ፓል ካገመ ንሳልሳይ ጊዜ ክወዳደሩ ሕገ-መንግስቲ የመሓይሽ


ላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ ሩዋንዳ ፕሬዝደንት ፓል ካጋመ ድሕሪ ክልተ ተከታታሊ ናይ ስልጣን ዘበኖም ምብቅዑ ንሳልሳይ ጊዜ ንሸውዓተ ዓመታት ንፕሬዝደንት ክወዳደሩ መንገዲ ጸሪጊሎም።

እቲ ቤት ፍርዲ ነቲ ሓደ ፕረዝደንት ክልተ እዋን ስልጣን ጥራሕ አብ ስልጣን ክጸንሕ ዝብል ሕገ-መንግስቲ ክመሓየሽ ይክእል'ዩ ሕጊ ክሳብ ዝተከተለ ክብል ኢሉ'ዩ ውሳኔኡ አሕሊፉ። ተቃዋሚ ሓምላይ ፓርቲ እቲ ቤት ፍርዲ ነዚ ውሳኔ ክቅይር ጥርዓን አቅሪቦም ኔሩ'ዩ። እቲ ምምሕያሽ ሕገ መንግስቲ ዝጸድቅ'ዩ ዝመስል እዚ ከአ ካጋማ ንሚድያን ፖለቲካ'ታ ሃገር ንምቁጽጻር ዘክእሎም ተባሂሉ'ሎ።

ካጋመ ድሕሪ'ቲ ናይ 1994 ዓ.ም ምጽናት ዝርኢ ዝሰዓበ ሰላም ብምዕቃቦም ተፈታውነቶም ዝዕቅቡ'ዮም ዝመስሉ።

ቤት-ዕዮ ጉዳያት ወጻኢ አሜሪካ ነቲ ሕገ መንግስቲ ብምቅያር አብ ስልጣን ንምጽናሕ ዝግበሩ ስጉምትታት ብዝምልከት አይንድግፎን ብምባል ስክፍቱ ገሊጹ።

XS
SM
MD
LG