ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ውግእ ቃዛ ቀፂሉ


ቃዛ
ቃዛ

ኣብ ቃዛ ዝተኸፍተ ወትሃደራዊ ወፍሪ ንውሕ ንዝበለ ጊዜ ክቅፅል‘ዩ ኢሎም ቀ/ሚ ቤንያሚን ኔታንያሁ፣በዝሒ ብነፈርቲ ውግእን ታንክታትን እስራኤል ሎሚ ዝተቀትሉ ፍልስጤማውያን ድማ ኣስታት ሚእቲ ምብፅሑ ተገሊፁ።

እንተኾነ እቲ ግጭት ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ካብ ዝተወለዐሉ ንነዘ ኣብ ዘሎ ጊዜ በዝሒ ዝተቀትሉ ፍልስጤማውያን ልዕሊ 1,100 ከምዝኾነ ሰበ-ስልጣን ፍልስጤም ሓቢሮም።

ነፈርቲ ውግእ ብጠንቂ ዝፈፀመኦ ደብዳብ ኣብ ቃዛ፣ንእንኮ ምንጪ መብራህቲ ዝነበረ ጀነሬተር ከምዝወቅዓን፣እተን ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ናይ ሰለስተ ሰዓት ኣገልግሎት መብራህቲ ይረኽባ ዝነበራ ከተማታት ከምዝተለከማን ዝረኸብናዮ ዜና ገሊፁ።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ቀ/ሚ ቤንያሚን ኔታንያሁ ብመሰረት ዝሃብዎ መግለፂ፣ ሃማስ ሮኬታት ናብ እስራኤል ዝትኩሰሎም ጎዳጉዲ ክሳብ ዘይተደምሰሱ ሃገሮም ነቲ ወፍሪ ከምዝተይትኾልፎ ኣፍሊጦም።

ብዝተኣሳሰረ ዜና፣እስራኤል ኣብ ቃዛ ጅምላዊ ህልቂት ትፍፅም‘ያ ዘላ ኢሎም ወቂሶም መንፈሳዊ መራሒ ኢራን ኣያቶላ ዓሊ ከሚኒ።ስለዚ ኢሎም ንሶም፣እስላማዊ ዓለም ንህዝቢ ፍልስጤም ንከዕጥቅ ፀዊዖም።

XS
SM
MD
LG